ይህ የቲክቫህ (ተስፋ) ኢትዮጵያ ቤተሰብ አባላት መሰባሰቢያ እንዲሁም የመረጃ እና የመልዕክት መለዋወጫ መድረክ ነው።
@tikvahuniversity
@tikvahethAfaanOromoo
@tikvahethmagazine
@tikvahethsport
@tikvahethiopiatigrigna
#ኢትዮጵያ
Last updated 1 day, 23 hours ago
Last updated 3 days, 5 hours ago
ለማንኛውም አስተያየት እና ጥቆማ 👉 @Esat_tv_comment_bot
🇪🇹ኢሳት የኢትዮጵያ አይን እና ጆሮ🇪🇹
Last updated 2 weeks, 1 day ago
ዶናልድ ትራምፕ ንተነሓናሒቶም ካማላን ሃሪስን ብምርታዕ መበል 47 ፕሬዜዳንት ኣሜሪካ ክኾኑ ዘኽእሎም ድምፂ ረኺቦም።
ፅባሕ ሰሉስ ኣብ ዝሰላሰል ሃገራዊ መረፃ ሑቡራት ኣመሪካ ዛጊድ ኣብ እዋን ጎስጓስ ንዘይተረኸቡ ከይሓወስካ ልዕሊ 70 ሚልዮን መረፅቲ ከምዘለውን እዚ ቁፅሪ መረፅቲ ምስ ሑሉፍ እዋን መረፃ እታ ሃገር ክነፃፀር ከሎ ክብረ ወሰን መረፅቲ ዝሰበረ ከምዝኾነ ተፈሊጡ'ሎ።
ሑቡራት ኣሜሪካ 50 ግዝኣታት ዘለዋ ሃገር'ያ። ካብዘን 50 ግዝኣታት እተን ዝበዝሓ ዓብላሊ ፖለቲካዊ ውድባት ዲሞክራትን ሪፓብሊካንን ኣየነይቲ ግዝኣት ንኣየናይ ውድብ ከም እትመርፅ ይፍለጥ'ዩ። ሸውዓተ ግዝኣታት ግን ማለት'ውን ኔቫዳ ፣ ኣሪዞና ፤ ሰሜን ካሮላይና ፣ ጆርጅያ ፣ ዊስኮንሲን ፣ ሚቺጋንን ፐንሲልቫንያን ብቐዋምነት ንሓደ ውድብ ጥራይ ናይ ምምራፅ ባህሪ የብለንን እንታይ ድኣ ኣብ እዋን ጎስጓስ ተነሓናሕቲ ንዝሐሸ ሓሳብን ፖሊሲን ሒዞም ንዝቐረቡ ናይምምራፅ ባህሊ ዘማዕበላ'የን።
ብመሰረት እዚ ካብዘን ዝተጠቐሳ ግዝኣታት ካማላ ሃሪስ ኣብ ኔቫዳ ፣ ሰሜን ካሮላይና ጆርጅያን ዊስኮንሲን ብፀቢብ ውፅኢት'ውን እንተኾነ ዝሐሸ ድምፂ ክረኽባ ከለዋ ዶናልድ ትራምፕ ድማ ኣብ ኣሪዞና ዝሐሸ ድምፂ ክረኽቡ ከለው ኣፍተን ዝተረፋ ግዝኣታት ሚቺጋንን ፐንሲልቫንያን ድማ ማዕረ ውፅኢት ኣመዝጊቦም ኣለው ።
ብመሰረት እዚ ውፅኢት ምስተን ዘተኣማምና ናቑጣታት መረፃና'የን ምስ ዝብልወንን ተደሚሩ ንካማላ ሃሪስ ዝሐሸ ውፅኢት ከምዘመዝግባን ናይ ምስዓር ተኽእሎአን ዝሰፍሐ ምዃኑ'ዩ ዝግለፀለን ዘሎ።
ኣብዘን 50 ግዝኣታት ሑቡራት ኣመሪካ ኣብ ብዝሒ ህዝቢ ዝምርኮስ ዝተፈላለየ መጠን ናቑጣታት መረፃ ክህልዋ ከለዋ ድምር ሓፈሻዊ ናቑጣታት ግን 538'የን። እዞም ኣብ ሃገራዊ መረፃ ዝነሓንሑ ዘለው ንፕረዚዳንትነት ዝዕወት ካብዘን ዝተጠቐሳ ድምር ናቑጣታት እንተነኣሰ ኣብ 270ን ልዕሊኡን ናቑጣታት መረፃ ምስ ዝዕወት ጥራይ'ዩ ሰዓራይ ዝፍለ።
ዛጊድ ክልቲኦም ተነሓናሕቲ ኣብ ዝተፈላለያ ግዝኣታት ኣብ ዘካየድዎ ጎስጓስ 70 ሚልዮን መረፅቲ ንቲ ጎስጓስ ድሕሪ ምክትታሎም ከም ንቡር መረፅቲ ድሕሪ ጎስጓስ ድምፆም ከምዝሃቡ ተረጋጊፁ'ሎ። ( እዚ ቁፅሪ እዚ ኣፍቲ ጎስጓስ ዝተኻየደሉ ንዘይተረኸቡ መረፅቲ ዘካትት ኣይኮነን።) በዚ መስርሕ ውፅኢት'ዩ እምበኣር መን ዓብላሊ ውፅኢት ከምዘመዝገበ ብምርኣይ በብዕለቱ መን ይመርሕ ከምዘሎ ብመረዳእታ ዝተደገፈ ውፅኢት እንዳተገለፀ ዝፀንሐ።
ክሳብ ሐዚ ዝሐሸ ውፅኢት ከምዘለወን ዝንገረለን ዘሎ ካማላ ሃሪስ በቲ ዝተቐመጠ ቅድመ ግምት ኣፍቲ ፅባሕ ሶሉስ ኣብ ዝሰላሰል መረፃ እንተተዓዊተን ኣብ ታሪኽ ሑቡራት ኣመሪካ ፈላመይቲ ፀላም ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚዳንት ኮይነን ሓድሽ ምዕራፍ ክኸፍታ'የን። እዚ እንተዘይኮይኑ ግን ብዶናልድ ትራምፕ ንኻልኣይ ጊዜ ንጓል ኣንስተይቲ ዝሰዓሩ ፕረዚደንት ክበሃለሎም'ዩ።
ፕረዚዳንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ቅድሚ 8 ዓመታት ምስ ሂላሪ ክሊንተን ኣብ ዘተኻየደ ሃገራዊ መረፃ ኣብ ናይ መወዳእታ ሰዓታት ብዝረኸብዎ ውፅኢት ንሂላሪ ብምርታዕ'ዮም ፕረዚዳንት እታ ሃገር ኮይኖም ተመሪፆም። እዚ ሑሉፍ ታሪኽ እዚ ኣብ ልዕሊ ካማላ ሃሪስ ክደግምዎ ይኽእሉ'ዶ ኣይኽእሉን ፅባሕ ሰሉስ ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ ዝፍለጥ ጉዳይ'ዩ።
ዶናልድ ትራምፕ ከይስዕሩ ዳርጋ ኩለን ሃገራት ዓለም - ሰማይ ደጊፈን ካብ ዝሓድራ ፀኒሐን ኣለዋ። ኣብ ወፃኢ ጉዳይ ፖሊሲ እታ ሃገር ዝኽተልዎ ድማ ብኣልማሚት ስምዒታዊ ውሳነን ቁሉዕ ኢድ ምትእትታውን ጥራይ ዘይኮነስ ብቑሉዕ ንቲ ኽገብርዎ ዝደልዩ ብዘይ ስክፍታ ዝዛረቡን ከም ሳዕቤኑ ኽኣ ከቢድ ፅልኢ ዝፈጠሩን'ዮም።
ሎሚ ቕነ'ኳ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ መረፅቶም ዘቖጥዕ ዘረባ ብምዝራቦምን ሑቡራት ኣመሪካ መአከቢ ጉሓፋት ኮይና ምባሎም ከይኣኽሎም ንገዛፍ መአከቢትን መጉሓፊትን ጉሓፍ መኪና እንዳዘወሩ ዘርኣይዎ ላግፅን ብድዐን ንቡዙሓት ኣመሪካውያን ኣቖጢዑ'ሎ። በዚ ድማ ደጋፊኦም ዝነበረ ቁፅሪ መረፅቲ ናብ ካማላ ሃሪስ ከምዘዘንቡሉን መልክዕ እቲ መረፃ ኽቕየር ከምዝኽእልን ቡዙሓት ተንተንቲ ፖለቲካ ሓሳቦም ሂቦምሉ'ለው።
ግን ክኣ ዘይክሓድን ቀልቢ ቁፅሮም ዘይናዓቑ መረፅቲ ዝሰሓቡሉ ጉዳይ ኣሎ። ንሱ'ውን ኣብ ሑቡራት ኣመሪካ ዝረአ ዘሎ ምዝሕሓል ቁጠባ እታ ሃገር ካማላ እንተተመሪፀን ናብ ዝኸፍአ ብርኪ ከምዝበፅሕ ብዘካይድዎ ዘለው ጎስጓስ ሰፊሕ ተቐባልነት ዝረኸበ ጉዳይ ኮይኑ'ሎ።
ብወገን ካማላ ሃሪስ ንዘካይደኦ ዘለዋ ጎስጓስ ድማ ብቡዙሓት ተቐባልነት ምርካበንን ብፍላይ ሓደሽቲ መናእሰይ መራሕቲ ንኽመፁ ከምዝሰርሓን ካልኦትን ዘእምኑ ሓሳባት ብምቕራብ ዝሐሸ ዕድል ረኺበን ኣለዋ። ንፕረዚዳንትነት ይምረፃ'ዶ ይሰዓራ ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ግን ፅባሕ ሶሉስ ምፅባይ ናይ ግድን'ዩ።
ትግራይ ብማሕበራት ስራሕ ትሓዊ !!
ተቐማጢ ሃብታ ክሳብ ሰነ 30/2016 ዓ.ም ልዕሊ ብር 1 ነጥቢ 3 ቢሊዮን : ዝሃበቶ ልቓሕ ድማ ኣስታት 1 ነጥቢ 7 ቢሊዮን ብር ምብፅሑ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዕቋርን ልቃሕን ፋና መናእሰይ ኣፍሊጣ።
እታ ሕ/ሰ/ ማ ሎሚ ጥቅምቲ 24/2017 ዓ.ም " ትግራይ ብማሕበራት ስራሕ ትሓዊ " ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዘሳለጠቶ መበል 15 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከምዘፍለጠቶ : ኣብ መላእ ትግራይ ኣብ ዘለዋኣ 10 ጨናፍር ዝርከብ ኣባላ ልዕሊ 32 ሽሕ በፂሑ ኣሎ።
ኣቦ-መንበር ቦርድ ሕ/ሰ/ ማ ዕቋርን ልቃሕን ፋና መናእሰይ ሓለፎም ገዛኢ ኣብ ዘስመዕዎ መኽፈቲ ዘረባ : እታ ማሕበር ኣብ'ቲ ሕሉፍ ጊዚያት ኪናት ከይተረፈ ኣገልግሎታ ከምዘየቋረፀት ብምግላፅ ኣብ ቃልሲ ብመስዋእቲ ናይ ዝተፈለዩ ኣባላታ ልዕሊ 2 ነጥቢ 4 ሚሊዮን ብር ዕዳ ስረዛ ክትገብር እያ ኢሎም።
ኣብ'ቲ ጉባኤ ዝተረኸቡ ምክትል ፕሬዜዳንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ : ሕ/ማ ዕቋርን ልፃሕን ፋና መናእሰይ መርአያ ትካላት ፋይናንስ እያ : ጎና ጎኒ ዕቋርን ልቓሕን ኣብ ምፍፃም ማሕበራዊ ሓላፍነት ልዑል ተሳትፎ ሃልዩዋ ትቐፅል ኢሎም።
ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከም ፋና ንዝኣመሰላ ትካላት ዕቋርን ልቓሕን ኣብ ምጉልባት ቁጠባ ዓድን ህዝብን ዘለወን ዕዙዝ ግደ ይርዳእ እዩ : ኩሉ ዓይነት ምትብባዕ እውን ክገብር እዩ ኢሎም ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ።
ሕ/ሰ/ ማ ዕቋርን ልቃሕን ፋና መናእሰይ ቅድሚ 10 ዓመት ብ 92 ኣባላትን ብኣስታት 33 ሽሕን 180 ብር ካፒታልን ዝተጣየሸት ኣብ ትግራይ ካብ ዘለዋ ትካላት ሕ/ሰ/ ማ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ ምኻና ይፍለጥ።
ይህ የቲክቫህ (ተስፋ) ኢትዮጵያ ቤተሰብ አባላት መሰባሰቢያ እንዲሁም የመረጃ እና የመልዕክት መለዋወጫ መድረክ ነው።
@tikvahuniversity
@tikvahethAfaanOromoo
@tikvahethmagazine
@tikvahethsport
@tikvahethiopiatigrigna
#ኢትዮጵያ
Last updated 1 day, 23 hours ago
Last updated 3 days, 5 hours ago
ለማንኛውም አስተያየት እና ጥቆማ 👉 @Esat_tv_comment_bot
🇪🇹ኢሳት የኢትዮጵያ አይን እና ጆሮ🇪🇹
Last updated 2 weeks, 1 day ago