Unlock a World of Free Content: Books, Music, Videos & More Await!

Tigray Technology

Description
1. ቴክኖሎጂ - ተንከፍ ትምህርቲታት
2. ናይ ሳይንስን ቴክኖሎጂን እዋናዊ ዜናታት
3. ካልኦትን በብመዓልቱ ብትግርኛ ነቅርብ።
Advertising
We recommend to visit

"ይህ የቴሌግራም ቻናሌ ግንቦት1/2011ዓም የተከፈተ ነው። የእኔን የስልክ ወጪ ጨምሮ አገልግሎቴን መደገፍ የምትፈቅዱ ጓደኞቼ በ
👉🏿 https://donorbox.org/zemedemedia እና
👉🏿 https://www.paypal.com/paypalme/ZemedkunB በኩል ማገዝ ትችላላችሁ። በተረፈ ለቤተ ክርስቲያኔና ለኢትዮጵያ ሀገሬ የሚጠቅመውን ሁሉ አበረክት ዘንድ አብዝታችሁ ጸልዩልኝ።

Last updated 1 month, 3 weeks ago

The first Telecom operator in Africa https://t.me/EthiotelecomChatBot

Last updated 1 day, 15 hours ago

እንኳን ወደ ውዱ 4-3-3 Film ቻናላችን በሰላም መጣቹ

አዳዲስ እና የድሮ እንግሊዘኛ/አማርኛ/ህንድ/ቱርክ ፊልሞችን እና ከ1000 በላይ ተከታታይ ፊልሞችን የምታገኙበት ቻናል ነው

ለማስታወቂያ ስራ - @Abusheymc

ሃሳብ አስታየት ካሎት - @Abushecbot

Buy ads: https://telega.io/c/Films_433

Last updated 1 month, 2 weeks ago

12 months ago

5 ዘፍርሑ ወይ ዘስግኡ ሳዕቤናት ቴክኖሎጂ

  1. internet surveillance

◽️ ኢንተርኔት ብምጥቃም ኣብ ስልክና፣ ታብሌትና፣ ላፕቶፕና ክንስልይን ሚስጢርና ክንስእንን ንኽእል ኢና። መብዛሕትኦም ኣፍረይቲ ሞባይል ቴሌፎን ናይ ገዛእ ርእሶም ፖሊሲ ውልቃዊ ሓበሬታ ሒዞም ከም ዝሰርሑ ይፍለጥ፡ እንተኾነ ግን እዘን ኩባንያታት ምስጢራዊ ሓበሬታና ብመንግስታት ክህባ ክግደዳ ይኽእላ እየን።

🔺ንኣብነት: መብዛሕትና ተጠቀምቲ ስማርት ቴሌፎን ኢና? ስማርት ስልክታት ብውሑዱ 2 ካሜራታት (ቅድሚትን ድሕሪትን) ከምኡ’ውን ጂፒኤስ መሳርሒ ኣለወን። ነዞም መሳርሒታት ብምጥቃም ጥራይ፡ ኣበይ ከምዘለና፡ መን ምዃንናን መዓልታዊ ህይወትና ከይተረፈ ክርአ ይከኣል።

  1. Robotic Soldiers

◽️ ሓይሊ ኣርቲፊሻል ወተሃደራት ንምፍላጥ terminator ምርኣይ እኹል እዩ። ብርግፅ ተርሚነተር ሳይንሳዊ ልቢ ወለድ ፊልም እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ግን ካብዚ ንላዕሊ ብዙሕ ክገብሩ ዝኽእሉ ሮቦታት ይምዕብሉ ኣለዉ።

◽️ ሮቦት ከም ሰብ ዝጠመዩን ዝጸምኡን ዝደኸሙን ኣይኮኑን። ዝቀልጠፉ፣ ዝሓየሉን ዝበዝሑን ድማ እዮም ሰብኣውነት ስለዘይብሎም ክሓርዱ እንተተኣዚዞም ብዘይ ምሕረት ክገብርዎ ይክእሉ። ኣርቲፊሻል ወተሃደራት ነቲ ዝሰርሑሉ ህዝቢ ናይ ምጥፋእ ዓቕሚ ኣለዎም።

  1. DNA Editing

◽️ ሳይንቲስት genetics ሰብ ወይ DNA ካብ ዝረኽቡ ጀሚሮም ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ይካየድ ኣሎ። እዚ ጀነቲክስ እዚ ግን ኣብ ደቂ ሰባት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ኩሎም ህያዋን ፍጥረታት ይርከብ። ነዚ DNA ብምምሕያሽ ድማ ድኽመት ዘይብሉ ፍጡር ንምፍጣር ፈተነታት ይግበር ኣሎ።

◽️ ሳይንቲስት ናይ ሰባት ጀነቲክስ ምእራም ወይ ምምሕያሽ ከም ዝከኣል ይኣምኑ። ኣብዚ እዋን ንዓለም ኣሸጊሩዋ ዘሎ ኮሮና ቫይረስ ንባዕሉ ብጀነቲክ ኤዲቲንግ ዝተፈጥረ ባዮሎጂካዊ ኣጽዋር ምዃኑ ዝጠራጠሩ ኣለዉ።

  1. Microchips

◽️ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝተፈላለዩ ሓበሬታታትና ወይ ሰነዳትና ኣብ ወረቐት ወይ ብኤሌክትሮኒክ መሳርሒታት ንዕቅቦም። እዚ ሐዚ ዝፍጠር ዘሎ ቴክኖሎጂ ግን፡ መለለዪ መንነትና፡ ምስክር ወረቐት ልደትና፡ መጽሓፍ ባንክ ወዘተ ሓበሬታና ኣብ ሓንቲ ቺፕ ብምትካል፡ እዚ መሳርሒ ኣብ ኣካላትና ንክኣቱ ዝገብር እዩ።

◽️ እዚ ኣብ ኣካላትና ዝኣቱ መሳርሒ ግን ካብ ሓበሬታና ምዕቃብ ክሳብ ምክትታል ምንቅስቓስናን ኣቃውማናን ንዝተፈላለዩ ዕላማታት ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና።

  1. Nuclear Bombs

◽️ ብኒኩለር ቦምብ ዘስዕቦ ዕንወት ንምርዳእ ጃፓናውያን ሂሮሺማን ናጋሳኪን ምርኣይ እኹል እዩ። ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ሐዚ ኑክሌራዊ ውግእ እንተተላዒሉ፡ ዓለምና ክትጠፍእ እያ ይብሉ። እዚ ንልዕለ ሓያላን ሃገራት ጥራይ ዝረኽቦ ኣጽዋር፡ ካብቲ ንሂሮሺማን ናጋሳኪን ንምጥፋእ ዝተጠቕመሉ ኣጽዋር ዝያዳ ዘመናዊ እዩ።

◽️ እዚ ሐዚ ዘሎ ኒዩክለራዊ ቦምብ እንተተፈንጂሩ ዝተሓተ ናይ ጨረር ሬድያስ 7.49 ኪ.ሜ ወይ 176 ትርብዒት ኪ.ሜ ዝከውን ይሽፍን። ናይ ኣየር ሬድያስ 12.51 ኪ.ሜ ወይ 491 ትርብዒት ኪ.ሜ፣ ሬድያስ ጨረርታ ሙቐት 77.06 ኪ.ሜ ወይ 18626 ትርብዒት ኪ.ሜ. ይሽፍን። ካብቲ ኣሜሪካ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ልዕሊ ጃፓን ዝትጠቀመቶ ቦምባ ብ3333 ዕጽፊ ዝሓየለ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ
My telegram channel፡-
https://t.me/bright_future_technology

My facebook page፡-
https://www.facebook.com/profile.php?id=100092218036309

My youtube channel፡-
https://m.youtube.com/@ciscoinfotech4505

Telegram

Tigray Technology

1. ቴክኖሎጂ - ተንከፍ ትምህርቲታት 2. ናይ ሳይንስን ቴክኖሎጂን እዋናዊ ዜናታት 3. ካልኦትን በብመዓልቱ ብትግርኛ ነቅርብ።

5 ዘፍርሑ ወይ ዘስግኡ ሳዕቤናት ቴክኖሎጂ
1 year ago

ናይ ኔትዎርክ ትውልድታት generation of networks

ካብ ቅድሚ 40 ዓመት ጀሚርና 5 ዝተፈላለዩ ትውልድታት ኔትዎርክ ርኢና ኢና፡ እዞም ትውልድታት እዚኦም እንታይ ምዃኖምን ብኸመይ ከምዝመጹን ድማ እንሆ።

1G
1G ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 1980ታት ኣብ ጥቅሚ ውዒሉ: እዚ ፈላሚ መርበብ ኣናሎግ ቴክኖሎጂ ይጥቀም። ፈለማ ክምዕብል ከሎ ንድምጺ ጥራይ ተባሂሉ ዝተዳለወ ኮይኑ፡ እቲ ዝዓበየን ዝለዓለን ፍጥነቱ ድማ 2.5kbps እዩ ነይሩ።

2G
ኔትወርክ ካብ 1G ናብ 2G ምስ ዓበየ ስልክታትና ዓቢይ ለውጢ ከምፅኣ ምክንያት ኮይኑ እዩ። ኣብ መንጎ ክልቲኦም 1Gን 2Gን ዘሎ ዝዓበየ ፍልልይ ን Radio Signal 1G Analogue Signal ክጥቀም ከሎ 2G ድማ Digital Signal ይጥቀም። እዚ ኔትወርክ ኣብ 1990ታት ካብ ዝጅምር ንደሓር ንእሽተይ ዳታ ንዝጥቀም SMSን MMSን ይውዕል ነይሩ። እቲ ዝዓበየን ዝቐልጠፈን ፍጥነት 2G ክሳብ 64 kbps እዩ።
ቅድሚ 3G ኣብ መንጎ ምምጽኡ ከም 2.5Gን 2.75Gን ዝኣመሰሉ ኔትወርክታት ነይሮም።

3G
3G ኔትወርክ ኣብዚ እዋን ኣብ ዓለምና ዝዓበዩ ገመድ ኣልቦ ቴክኖሎጂታት ክንፈልጦም ምኽንያት ኮይኑና ኣሎ: ከም መርበብ ሓበሬታ ምድህሳስ፣ ኢመይል፣ ቪድዮ ምውራድ... ዝበሉ 3G ብስማርት ስልክታት ምስተኣታተወ ዝመፁ እዮም፤ ብ2G ክንገብሮ ዘይንኽእል ብዙሕ ነገራት ብ3G ክንገብር ንኽእል ኢና። 3G ኣብ 2001 (g.c) ዕላዊ ኮይኑ። 3G ክሳብ 2mbps ዝበጽሕ ፍጥነት ኣለዎ።
ልክዕ ከም 2G ኔትወርክ 3G ቅድሚ ናብ 4G ምዕባይ ኣብ መንጎ 3.5Gን 3.75Gን እዩ ነይሩዎ።

4G
ልክዕ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ክልተ መርበባት ዘነጻጸርናዮም፡ 4G ካብ 3G ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ: ኣዝዩ ዝተፈላለየ ፍጥነትን ዝበለጸ ጽሬትን ኣለዎ።
ን4G፡ እቲ ዝለዓለ ፍጥነት እንጥቀመሉ ፍጥነቱ ካብ 100mbps ክሳብ 1Gbps ክበጽሕ ይኽእል።

5G
5G ኣብዚ እዋን እቲ ዝቐልጠፈ ኔትወርክ ኮይኑ 5G ካብ 4G 35 ዕፅፊ ፍጥነት ኣለዎ ማለት እዩ። 35Gbps!

6G
6G ኣብ ምምዕባል ዝርከብ ኮይኑ ክሳብ 1TB per second ዝበፅሕ ፍጥነት ክህልዎ ትፅቢት ይግበር።

ንተወሳኺ ቴክኖሎጂ-ተንከፍ ሓበሬታ
My telegram channel፡-
https://t.me/bright_future_technology

My facebook page፡-
https://www.facebook.com/profile.php?id=100092218036309

My youtube channel፡-
https://m.youtube.com/@ciscoinfotech4505

Telegram

Tigray Technology

1. ቴክኖሎጂ - ተንከፍ ትምህርቲታት 2. ናይ ሳይንስን ቴክኖሎጂን እዋናዊ ዜናታት 3. ካልኦትን በብመዓልቱ ብትግርኛ ነቅርብ።

ናይ ኔትዎርክ ትውልድታት generation of networks
1 year ago
ብፎቶ ዕድመ ዝግምት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ

ብፎቶ ዕድመ ዝግምት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ

ተመራመርቲ ኒውዮርክ ካብቲ ባዕልና እንላዓሎ ፎቶ (ሰልፊ) ዕድመና ዝግምት ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ኣማዕቢሎም።

እቲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኣብ ዓይንን ቆርበትን ንዝርኣዩ 6 ምልክታት ዕድመ ከም ዝግምት ይንገር።

ጓል 39 ዓመት ሰራሕተኛ መርበብ ሓበሬታ ዳይሊ ሜይል፡ ስእላ ናብ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ሲስተም ኣቕሪባ፡ ዕድሚኣ ከም ዝግምት ገይራቶ። ንሱ ድማ መጀመርታ 40ታት ዕድሚኣ ከምዘላ ክሕብራ ኪኢሉ።

1 year ago

ብዛዕባ ቴሌግራም ክንፈልጦም ዘለና 10 ኣገደስቲ ነገራት

1ይ :- ዘለናዮ ቦታ ናብ ኣዕሩኽትና ክንሰድድ ንኽእል ኢና መጀመርያ ቴለግራም ንኸፍት ፡ ድሕሪኡ ነቲ ክንሰደሉ ዝደለና ሰብ ንመርጽ ፡ ድሕሪኡ መልእኽቲ ከፊትና Location ንጥውቅ ፡ ድሕሪኡ ዘለናዮ ቦታ ይከይድ።

2ይ :- ዝኾነ ሰብ ብቴሌግራምና ከይጥቀም እንተደሊና ፓስዎርድ ምግባር ይከኣል እዩ። መጀመርታ ቴሌግራም ንኸፍት። ድሕሪኡ ኣብ ላዕለዋይ ፀጋማይ ውሰን ዘለዋ ሰለስተ መስመራት ንጥውቕ ድሕሪኡ Settings ንጥውቕ፣ ድሕሪኡ Privacy and Security ንጥውቕ፡ ድሕሪኡ Passcode ንጥውቕ፡ ድሕሪኡ passcode lock on ንጥውቕ።እቲ ዝደለና ፓስዎርድ ነእቱ።

3ይ:- ብቴሌግራም ፎቶ ወይ ቪድዮ ኣብ እንልእከሉ ግዜ ኣብ ቴሌግራም ባዕሉ ብዝተፈላለየ መልክዕ ክነቀናብሮ ንክእል ኢና። ፎቶ ወይ ቪድዮ ምስ መረፅና ኣብ ትሕቲኡ ዘለው ዝተፈላለዩ ምልክታት ብምንካእ

4ይ :- ዝለኣክናዮ መልእኽቲ ናብ ተቀባሊ ምስ በፅሐ ምስትክካል ይከኣል እዩ ፡ እቲ ዝለኣክናዮ መልእኽቲ ጠዉቅና ብምሓዝ ዝመፀልና ናይ እርሳስ ምልክት ብምንካእ እቲ ዝስተካከል ኣስተካኪልና ናይ ለኣክ ምልክት ንጥውቅ።

5ይ :- ብሓደ ናይ ቴሌግራም ኣፕሊኬሽን ክልተ ኣካውንት ክንጥቀም ንኽእል ኢና
መጀመርታ ቴሌግራም ንኸፍት፡ Setting ንኣቱ፡ ድሕሪኡ Add Acount ዝብል ንጥውቅ።

6ይ :- ቴሌግራምና dark mode ክኸውን እንተደሊና፡
መጀመርታ ቴሌግራም ንኸፍት፡ ድሕሪኡ Setting ቀፂልና Themes and Chats ብምእታው ካብ ዘለው መማረፅታት እታ ዝደለናዮ ንመርጽ። ናይ ቴሌግራምና ፅሑፍ መጠን እውን ኣብዚ ምስትክካል ይከኣል እዩ።

7ይ :- ናይ ቴሌግራምና ፕሮፋይል ቪድዮ ምግባር ይከኣል እዩ። ሐዚ እውን setting ብምእታው ኣብ ትሕቲ ፕሮፋይልና ዘሎ ናይ ካሜራ ምልክት ነኪእና ዝደለናዮ ቪድዮ ንመርፅ።

8ይ ፡- ኣብ ቴሌግራም ንልእኮ ፋይል ተቀባሊ ምስ ረአዮ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ባዕሉ ከም ዝጠፍእ ምግባር ንክእል ኢና። ክንልእኮ ዝደለና ፋይል ምስ መረፅና ኣብ ትሕቲ እቲ ፋይል ዘለ ናይ ሰዓት ምልክት ብምንካእ ድሕሪ ክንደይ ሰኮንድ ከም ዝጠፍእ ንመርፅ።

9ይ ፡- ኣብ ቴሌግራም ዝተፈላለዩ ፅሑፍ ፣ ፎቶ ፣ ቪድዮን ካልኦትን ሴቭ ክንገብር ንክእል ኢና። እቲ ዝደለናዮ ፋይል ብምምራፅ (ጠዊቅና ብምሓዝ ) ዝመፀልና ናይ ፎርዋርድ ምልክት ብምንካእ ናብ Saved Messages ዝብል ንልእኮ። ብድሕሪኡ ኣብ ዝደለናዮ ግዜ offline ክንሪኦ ንክእል ኢና።

10ይ ፡- ብናይና ቴሌግራም ኣካውንት ካሊእ ሰብ ይጥቀም ከይህሉ ምርግጋፅ ንክእል ኢና። ሐዚ እውን Setting ንኣቱ። ቀፂልና Devices ዝብል ምስ ኣተና ናይና ኣካውንት ዝጥቀሙ ዘለው ድቫይሳትን ዘልውዎ ቦታን ክዝርዝረልና እዩ። ኣብዚ ዘይናይና ዲቫይስ እንተሃልዩ ንዕኡ ብምንካእ terminate session ዝብል ጠዊቅና እቲ ተጠቃሚ ካብ ኣካውንትና Logout ከም ዝኮን ክንገብር ኣለና።

ንተወሳኺ ሓበሬታ
My telegram channel፡-
https://t.me/bright_future_technology

My facebook page፡-
https://www.facebook.com/profile.php?id=100092218036309

My youtube channel፡-
https://m.youtube.com/@ciscoinfotech4505

Facebook

Log in or sign up to view

See posts, photos and more on Facebook.

1 year ago
ጉግል ንክልተ ዓመት ዘይተጠቐምኩምሉ ኣካውንት (inactve …

ጉግል ንክልተ ዓመት ዘይተጠቐምኩምሉ ኣካውንት (inactve google acount) ከጥፍኦ እየ ስለዝበለ 2 ዓመት inactive ዝፀነሐ ጉግል ኣካውንት እንተሃሊኩም ኣቲኩም active እንተትገብርዎ ይምረፅ።

1 year ago
***📓******📓*** 5 መፅሓፍቲ ***📚*** ብነፃ እንረክበሎም …

📓📓 5 መፅሓፍቲ 📚 ብነፃ እንረክበሎም ድሕረገፃት

  1. http://gen.lib.rus.ec/
    እዚ መርበብ ሓበሬታ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ መፅሓፍቲ ዘለዉዎ ኮይኑ ዝኾነ ዓይነት መፅሓፍ ከተውርድ የኽእለካ።

ካብቶም ክትረኽብዎም እትኽእሉ መፃሓፍቲ፡ መምሃሪ መፃሓፍቲ ፣ መፃሓፍቲ ስነ ልቦና ፣ መፃሓፍቲ ፍልስፍና ፣ መፃሓፍቲ ታሪኽ ይርከብዎም።

  1. http://sci-hub.org/
    እዚ መርበብ ሓበሬታ ልዕሊ 64 ሚልዮን መፅናዕታዊ ፅሑፋት ኣለዎ።
    ኣብዚ 👆 መርበብ ሓበሬታ፡ ዝተፈላለዩ ፅሑፋት ብዝተፈላለየ ምርጫን ዓይነትን ክትረኽቡ ኢኹም።

  2. https://bookboon.com/
    እዚ 👆 መርበብ ሓበሬታ ዝኾነ ዓይነት ነፃ ፅሑፍ ክትረኽበሉ ትክእሉ።
    ከምኡ ውን ኣብ ዝኾነ ደረጃ ክፍሊ ንዘለው ተምሃሮ ፣ ኣብ ዝኾነ ናይ ስራሕ ኩነታት ንዝርከቡ ሰባት ዝጠቅም መርበብ ሓበሬታ እዩ።

  3. http://bookzz.org/
    ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ቤተ-መፃሓፍቲ ኮይኑ ብማእከላይ ገምጋም 2.6 ሚልዮን መፅሕፍቲ ኣብዚ ድሕረገፅ ይርከቡ።

  4. www.allitebooks.com/
    እዚ 👆 ድሕረገፅ ብዙሕ ናይ ቴክኖሎጂ መፅሓፍ ፕሮግራሚንግ ፣ ግራፊክስ ፣ ኣጠቓቕማ ኮምፒተርን ዝተፈላለዩ መምሃሪ መፃሓፍቲን ክትረኽቡሉ ትክእሉ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ
My telegram channel፡-
https://t.me/bright_future_technology

My facebook page፡-
https://www.facebook.com/profile.php?id=100092218036309

My youtube channel፡-
https://m.youtube.com/@ciscoinfotech4505

1 year ago

VPN ኣብ እንጥቀመሉ እዋን ክግበር ዘለዎ ጥንቃቐ

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዝተወሰኑ ማሕበራዊ ሚድያታት ድሕሪ ምእጋዶም፡ ጠለብ ቪፒኤን ብብዙሕ ዕፅፊ ወሲኹ እዩ።

ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝርከብ ስሩዕ ኔትዎርክ ብብዙሕ ምኽንያታት ገደብ ኣብ ዝግበረሉ እዋን፡ ቨርቹዋል ፕራይቨት ኔትወርክ ወይ ቪፒኤን ዝበሃሉ ኣፕሊኬሽናት ምጥቃም ልሙድ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ እውን ስሩዕ ግልጋሎት ኔትወርክ ዕፁው ኣብ ዝኾነሉ እዋን ዝተፈላለዩ ቪፒኤን ኣፕሊኬሽናት ኣውሪድካ ምጥቃም ልሙድ እዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ተጠቀምቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ዝተወሰኑ ማሕበራዊ መራኸቢታት እገዳታት ብምኽታል ቪፒኤን ይጥቀሙ ኣለው።

ብሓጺሩ VPN ኣብ ሓንቲ ሃገር ኮይንካ ብናይ ካልእ ሃገር ኔትወርክ ምጥቃም ማለት እዩ፣ እዚ ድማ እቶም እንጥቀመሎም ሰርቨር፣ እንጥቀመሎም ዌብሳይታት፣ እንጥቀመሎም ፋይላትን ካልኦት ሰባት ወይ ብዛዕባና ክፈልጡ ዝደልዩ ሰባት ነቲ ሓበሬታ ክረኽብዎ ከም ዘይክእሉ ንምግባር ይጠቅም።

ይኹን እምበር፡ ኩሎም ቪፒኤን ኣፕሊከሽናት ዘተኣማምኑ ኣይኮኑን፡ ገሊኦም ብቐሊሉ ንሃከራት ከቃልዑ ስለ ዝኽእሉ፡ ምጥንቃቅ የድሊ።

ብመሰረት ሓደ ናይ ኣውስትራልያ መፅናዕቲ፡ 67% ናይ ዓለምና ቪፒኤን ኣፕሊኬሽናት እንተወሓደ ሓደ ዳታ ዝጉሕል ቫይረስ ዘለዎም ኮይኖም፡ ካብ ተጠቀምቲ ዝእክብዎ ዳታ ንሳልሳይ ኣካል ይሸጡ።

ናይ ቴክኖሎጂ ትካላት ድማ ካብ ተጠቀምቲ ሓበሬታ ብምዕዳግ ስርሖም ዘሳልጡ ኮይኖም ተጠቀምቲ ቪፒኤን ድማ ቀንዲ ዕላማ ከም ዝኾኑን ተገሊፁ።

ብፍላይ ድማ ነፃ ቪፒኤን ኣፕሊከሽናት ንጉሕለት ዳታ ተቓላዕቲ ኮይኖም፡ 65% ነፃ ቪፒኤን ኣፕሊከሽናት ካብ ተጠቀምቲ ዳታ ኣኪቦም ናብ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ይሸጡ።

ይኹን እምበር ዘክፍሉ ቪፒኤን ኣፕ ካብ ዳታ ዝጉሕሉ ሰባት ዝተሓለዉ ኮይኖም ዓማዊል ብዛዕባ ዳታኦም ተጠላቢ እንተኾይኑ ዘክፍል ቪፒኤን ኣፕ ክጥቀሙ ይምከር።

ብሓፈሻ ቪፒኤን ኣፕስ ምጥቃም ንናይ ዳታ ምጉሓል ፣ ብቫይረስ ምጥቃዕ ፣ ልዑል ክፍሊት ኔትወርክን ዘይተደልየን መወዓውዒታትን ከቃልዓካ ይኽእል እዩ።

ንተወሳኺ ቴክኖሎጂ-ተንከፍ ሓበሬታ
My telegram channel፡-
https://t.me/bright_future_technology

My facebook page፡-
https://www.facebook.com/profile.php?id=100092218036309

My youtube channel፡-
https://m.youtube.com/@ciscoinfotech4505

Facebook

Log in or sign up to view

See posts, photos and more on Facebook.

1 year ago
***🔴*** ቴሌግራም ካርድ ቀልጢፉ እናበለዐ ንዘንፀርፀረኩም

🔴 ቴሌግራም ካርድ ቀልጢፉ እናበለዐ ንዘንፀርፀረኩም

ሰላማት ኣሕዋት/ኣሓት ሎሚ ድማ ቴሌግራም ተጠቀምቲ ንዝኮንኩም ሞ ካርድ ቀልጢፉ ንዝቖርፀኩም ሓደ መፍትሒ ክሕብረኩም።

⚠️ ፈለማ እቲ ካርድ ዝውድኣሉ ምኽንያት እቲ ዝለኣኸልና መልእኽቲ (ፎቶ ፣ ቪድዮ ይኩን ካልእ ዓይነት ፋይል) ባዕሉ ስለዝውርድ ስለዝኾነ በዚ ዝስዕብ ሜላ ንምስትክካል ይከኣል።

  1. መጀመርያ ናብ telegram ኣካውንትና ኣቲና ኣብ ላዕለዋይ ፀጋማይ ሸነኽ ኣብ ዘለዋ ሰለስተ መስመራት ንጥውቅ።

  2. ቀፂልና settings ንኣቱ።

  3. ኣብዚ ብዙሕ መማራፂ ክመፀልና እዩ ኣብ data and storage ንጥውቕ።

  4. ኣብዚ ምስበፃሕና ንእሽተይ ንታሕቲ ወሪድና Automatic media download ኣብ ትሕቲ ዝብል ዘሎ privates , channel , groups ኣብ ሕድሕድኡ ብምእታው ዘለዉ ናይ Videos, Document, Music, Gif መማረፅታት (checkbox) ምዕፃው Uncheck ንገብሮም።

ብድሕሪ'ዚ ፋይላት ባዕሎም ስለዘይወርዱ ካርዲ ቀልጢፉ ኣይቆፅርን።

ንተወሳኺ ቴክኖሎጂ-ተንከፍ ሓበሬታ
My telegram channel፡-
https://t.me/bright_future_technology

My facebook page፡-
https://www.facebook.com/profile.php?id=100092218036309

My youtube channel፡-
https://m.youtube.com/@ciscoinfotech4505

1 year ago

ዜናታት ቴክኖሎጂ

ትዊተር
ኤሎን መስክ ሓዳሽ ዋና ስራሕ ኣካያዲት ትዊተር መዚዙ።

ኤሎን መስክ ንሊንዳ ኢያካሪኖ ሓዳስ ዋና ኣካያዲት ስራሕ ትዊተር ገይሩ ሸይምዋ።
ኤሎን መስክ፡ መበቆላ ጣልያን ዝኾነት ጓል 63 ዓመት ሊንዳ ኢያካሪኖ፡ ኣብ ናይ ትዊተር ስርሓ ድማ ብቐንዱ ኣብ ንግዲ ኣትኲራ ከም ትሰርሕ ኣፍሊጡ።

ንባዕሉ ድማ ኣብ ዲዛይን ፍርያትን ምምዕባል ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታትን ትኹረት ከምዝገብር ኣመልኪቱ።

ቴክኖ
ናይ ቻይና ትካል ዝኮነ ቴክኖ ሓደሽቲ ሞባይል ስልክታት ኣቕሪቡ።

እተን ስልክታት ስፓርክ 10፣ ስፓርክ 10ሲን ስፓርክ 10 ፕሮን ዝበሃላ ሞዴላት ኮይነን ኣዝዩ ዘመናዊ ዲዛይን ዝተዓጠቓ እየን።

እቲ ኩባንያ፡ እተን ስልክታት ቅልጡፍ ፕሮሰሰር ዘለወን፡ ሰሓቢ ዲዛይን ዘለወንን ድሌታት ናይ ተጠቀምቲ ከምዘማልኣን ገሊፁ። ብፍላይ ስፓርክ 10 ሞዴል ልዑል ፅሬት ዘለዎ ናይ ቅድሚትን ድሕሪትን ካሜራታትን ንነዊሕ እዋን ክጸንሕ ዝኽእል 5000 ሚሊኣምፐር ባትሪን ከምዘለዋ ሓቢሩ።

ጉግል
ጉግል ኣብ ናይ ኣለሻ ድሕረገፁ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ቴክኖሎጂ ንምክታት መደብ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

እቲ ኩባንያ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ካሊፎርንያ ኣብ ዘካየዶ ዓመታዊ ዋዕላ፡ ጉግል ኣቐዲሙ ንዝቐረበሉ ዝነበረ ሕቶታት ዝህቦ ዝነበረ መልሲ፡ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዘጠቓለለ ሓድሽ ናይ ኣለሻ ኣማራፂ ኣፋሊጡ።

እዚ Search Generative Experience (SGE) ዝተባህለ ሓድሽ ኣገልግሎት፡ ኣብቲ ናይ ቀደም ናይ ጉግል search homepage ዝኾነ ነገር ኣይቅይርን እዩ። እቲ ኩባንያ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ እቲ ፍልልይ ኣብቲ ንሕቶታት ዝወሃብ መልሲ ምዃኑ ይሕብር።

እቲ ኩባንያ ኣብዚ መድረኽ ካብ ዘተኣታተዎ ካልኦት ኣገልግሎታት፡ "Help Me Write" ዝበሃል ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ መሳርሒ ኮይኑ፡ ኣብ ስከንድታት ነዊሕ ናይ ኢመይል መልሲ ክፅሕፍ ይኽእል።

ብተወሳኺ፡ "ማጂክ ኤዲተር" ዝበሃል፡ ስእልታት ባዕልኻ ንምቅንባር ዘኽእል ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኣፕሊኬሽን፡ ሓደ ካብቶም እቲ ኩባንያ ኣብቲ መድረኽ ዘተኣታተዎም ሓደስቲ ቴክኖሎጂታት እዩ።

ንተወሳኺ ቴክኖሎጂ-ተንከፍ ሓበሬታ
My telegram channel፡-
https://t.me/bright_future_technology

My facebook page፡-
https://www.facebook.com/profile.php?id=100092218036309

My youtube channel፡-
https://m.youtube.com/@ciscoinfotech4505

Facebook

Log in or sign up to view

See posts, photos and more on Facebook.

1 year ago

10 ኣለዉ ኢልካ ዘይሕሰቡ ኣገረምቲ ድሕረገፃት

ሎሚ ኢንተርኔት ምድህሳስ ዕለታዊ እንተግብሮ ስራሕ ኮይኑ ኣሎ። ግን መብዛሕትኡ ግዜ እንሪኦም ድሕረገፃት እቶም ልሙዳትን ኩሉ  ግዜ እንጥቀመሎምን እዮም።
ንሎሚ ድማ መብዛሕትኡ ሰብ ብበዝሒ ዘይጥቀመሎም 10 ኣግረምቲ ድሕረገፃት ክሕብረኩም።

  1. 10minutemail.com
    እዚ ድሕረገፅ ን10 ደቒቓ ዝፀንሕ ኢመይል ንምክፋት ይጠቅም። ድሕሪ 10 ደቒቓ ድማ ኩሎም ዝተለኣኣኽናዮም መልእክቲታትን ነቲ ኢሜል ባዕሉን የጥፍኦ።
    10minutemail.com ኢልና እትው ምስ በልና ምዝገባ ከይድለየና ባዕሉ ኢሜል ኣድራሻ ይህበና። Tempmail እውን ተመሳሳሊ ጥቅሚ ይህበና እዩ።
    እዚ ድማ ዘስግኡና ድሕረገፃት ኢሜል እንተሓቲቶምና ካብዚ ክንህቦም ንክእል ኢና።

  2. fakenamegenerator.com
    መንነቶም ክፍለጡ ዘይደልዩ ሰባት ኣብዚ ድሕረገፅ ኣቲዮም ናይ ሕሶት ስምን ኣድራሻን ክፈጥሩ ይክእሉ።

  3. downforeveryoneorjustme.com
    ሓደሓደ ድሕረገፃት ምክፋት ክኣብዩና ይክእሉ እዮም። ግን ንበይንና ድዮም ወይስ ንኩሉ ዝብል downforeveryoneorjustme.com ኣቲና
    ክነረጋግፅ ንክእል ኢና።

  4. timeanddate.com
    ኣብ ሞንጎ ዓመታት ዘሎ መዓልቲታት ንምስላሕ ዝጠቅም ድሕረገፅ እዩ። ኣብነት ዕድሜና ብመዓልቲታት ንምስላሕ እንተደሊና ናይ ዝተወለድናሉ ዕለት፣
    ወርሒን ዓመትን ምስቲ ዘለናሉ መዓልቲ ( ዕለት፣ ወርሒን ዓመትን) ብምእታው ንክንደይ መዓልቲ ኣብ ዓለም ከም ዝፀናሕና ንምፍላጥ የክእለና።

  5. webcapture.net
    ናይ ድሕረገፃት ቅድሚት-ገፅ(homepage) ንምቕራይን ናብ JPG ፣ PNG  ወይድማ ናብ PDF ፎርማት ንምቅያርን ዝጠቅም ድሕረገፅ እዩ።

  6. google.com/ncr
    ጉግል google.com ኢልና ክንከፍት ከለና ናብ ናይ ሃገርና ዶመይን እዩ ዘእትወና። ንኣብነት ጉግል ኣብ ኢትዮጵያ ኮይና እንትንከፍት ናብ
    google.com.et ይወስደና። እዚ ድማ ጉግል በቢሃገራት ዝፈቅዶን ዝክልክሎን ነገር ስለዘለዎ እዩ። ስለዚ ጉግል ብዘይ ገደብ ክንጥቀም እንተደሊና
    google.com/ncr ብምእታው ክንጥቀም ንክእል ኢና።

  7. virustotal.com
    ካብ ንፈልጦ ይኩን ዘይንፈልጦ ሰብ ዝተለኣኩልና ፋይላት ብቫይረስ ዝተጠቅዑ ምኳኖምን ዘይምኳኖምን ቼክ ንምግባር ዝጠቅም ድሕረገፅ እዩ።

  8. http://map.norsecorpe.com/#/
    ኣብ ዓለምና ዝካየዱ ዘለዉ ናይ መረዳእታ ምጭብርባራት ንምርኣይ ይጠቅም።

  9. hackertyper.net
    እዚ ድሕረገፅ ከፊትና ዝተፈላለዩ ፊደላትን ቑፅርታትን እንትንጥውቅ ሃከራት ዝጥቀምሉ ዓይነት ገፅ የምፀአልና።

  10. strongpasswordgenerator.com
    ንፌስቡክ ፣ ንኢሜልን ካልኦት ፓስዎርድ ዘድልዮም ነገራትን  ብቀሊሉ ዘይስበር ፓስዎርድ ንምፍጣር የክእለና።

ንተወሳኺ ቴክኖሎጂ-ተንከፍ ሓበሬታ
My telegram channel፡-
https://t.me/bright_future_technology

My facebook page፡-
https://www.facebook.com/profile.php?id=100092218036309

My youtube channel፡-
https://m.youtube.com/@ciscoinfotech4505

Facebook

Log in or sign up to view

See posts, photos and more on Facebook.

We recommend to visit

"ይህ የቴሌግራም ቻናሌ ግንቦት1/2011ዓም የተከፈተ ነው። የእኔን የስልክ ወጪ ጨምሮ አገልግሎቴን መደገፍ የምትፈቅዱ ጓደኞቼ በ
👉🏿 https://donorbox.org/zemedemedia እና
👉🏿 https://www.paypal.com/paypalme/ZemedkunB በኩል ማገዝ ትችላላችሁ። በተረፈ ለቤተ ክርስቲያኔና ለኢትዮጵያ ሀገሬ የሚጠቅመውን ሁሉ አበረክት ዘንድ አብዝታችሁ ጸልዩልኝ።

Last updated 1 month, 3 weeks ago

The first Telecom operator in Africa https://t.me/EthiotelecomChatBot

Last updated 1 day, 15 hours ago

እንኳን ወደ ውዱ 4-3-3 Film ቻናላችን በሰላም መጣቹ

አዳዲስ እና የድሮ እንግሊዘኛ/አማርኛ/ህንድ/ቱርክ ፊልሞችን እና ከ1000 በላይ ተከታታይ ፊልሞችን የምታገኙበት ቻናል ነው

ለማስታወቂያ ስራ - @Abusheymc

ሃሳብ አስታየት ካሎት - @Abushecbot

Buy ads: https://telega.io/c/Films_433

Last updated 1 month, 2 weeks ago