Unlock a World of Free Content: Books, Music, Videos & More Await!

ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

Description
Advertising
We recommend to visit

📥ምርት እና አገልግሎቶን ማስተዋወቅ ከፈለጉ ያናግሩን
FOR ANY PROMOTION 📩 @Abemallik

● Welcome to Ethio music Channel

➤ For any promotion and Advertising 📩 inbox @Markonal21 ወይም @ethiomusic21bot
.
.
● የበጎ አድራጎት ስራዎችን በነፃ ፖስት እናደርጋለን ለመልካምነት ቦታ አይመረጥም ! ያዋሩን
.
.
● የሀገር ውስጥ አዳዲስ
ሙዚቃዎች
አልበሞች በፍጥነት ያገኛሉ
.
● እንዲሁም በቀናነት JOIN & SHARE ያድርጉ !

Last updated 2 weeks, 1 day ago

🇪🇹 የኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን  አስተምህሮ ና ስርአትን የጠበቁ ቆየት ያሉና አዳዲስ👇👇

👏 የቸብቸቦ መዝሙራት 🎻 የበገና መዝሙራት  
👑 የቅዱሳ መዝሙራት ⛪️ የንግስ መዝሙራት
💍 የሠርግ መዝሙራት 🌦 ወቅታዊ መዝሙራት መገኛ


📢ለ ማስታወቂያ ስራዎች @Miki_Mako

hace 3 días, 13 horas
ዓስራይ ዋዕላ መፅናዕቲ ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ …

ዓስራይ ዋዕላ መፅናዕቲ ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ክሳለጥ እዩ።

ዋና ዳይሬክተር ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ዳኒኤል ተኽሉ (ዶ/ር) ከምዝገለፅዎ እቲ ንኻልኣይ ጊዜ ዝሳለጥ ዋዕላ መፅናዕቲ ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ 9,10 ግንቦት / 2016 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ  እዩ ክካየድ ።

ኣብ'ቲ ዋዕላ 20 መፅናዕቲ ብቋንቋታት ሳሆ፣ ኩናማ ፣ ትግርኛን ግእዝን ዝቐርቡ ኮይኖም ኣብ ስነ-ልሳን ፣ ስነ-ፅሑፍ ፣ ፎክለር ፣ ስነ-ቃላት መሰረት ዝገበሩ እዮም ኢሎም እቶም ሓላፊ ሓቢሮም።

ቋንቋ ግእዝ ኣብ ኣዝዩ ዝማዕበለ ብርኪ ስነ-ፅሑፍ በፂሑ ምንባሩ ዝሓበሩ እቶም ዋና ዳይሬክተር ፣ ሎሚ ግን ኣብ ሓደ እምነት ተንጠልጢሉ ኣሎ ዶ ሞተ ኣብ ዝበሃለሉ ግዘ ኣለና ክብሉ ተዛሪቦም። 

ግእዝ ካብ ዝኾነ ይኹን ህዝቢ ንላዕሊ ምስ ህዝቢ ትግራይ ስጡም ብሄራዊ ፣ ማሕበራዊ፣ ባህላዊ ርክብ ከምዘለዎ ብምግላፅ ናይ ቀደም ፅሑፋት ግእዝ ክንግንፅል ከለና ታሪኽና፣ መንነትነና፣ እምነትና፣ ባህልና፣ ሓድግታትናን መበቆላውያን ፍልጠታትናን እውን ኣብኡ ኢና ንረክብ ። ብሓፈሻ ቋንቋ ግእዝ ብዙሕ ነገርና እዩ ሒዝዎም ዘሎ ክብሉ ወሲኾም ዳኒኤል ተኽሉ (ዶ/ር) ክብል ዝፀብፀበ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ።
@tikvahethiopiatigrigna

hace 4 días, 12 horas
ምግባረ ሰናይ ትእምት ንማሕበራዊ ግልጋሎት ሕክምና …

ምግባረ ሰናይ ትእምት ንማሕበራዊ ግልጋሎት ሕክምና ዝዉዕል 17 ሚልዮን ቅርሺ ን 4 ኣካላት ብሓገዝ ኣበርኪቱ::

ምግባረ ሰናይ ትእምት ብዓቕሙ ኣብ ኩለመዳያዊ ሕውየት ትግራይ ዝገብሮ ዘሎ ተሳትፎ ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ኣብ ቀረባ እዋን ንመሐከሚ ሓደሽትን ነባራትን ጉዱኣት ኲናትን ተጋደልትን ከምኡ'ዉን ንመሐከሚ ስቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ዝዉዕል ብድማር 17 ሚልዮን ቅርሺ ን 4 ኣካላት ብሓገዝ ኣበርኪቱ'ሎ :: ብመሰረት'ዚ :

  • ንመሐከሚ ሓደሽቲ ጉዱኣት ኲናት ተጋደልቲ ትግራይ ዝዉዕል 12 ነጥቢ 5 ሚልዮን ቅርሺ - ንኮምሽን ሓርበኛታት ትግራይ ፣ 
  • ንመሐከሚ ነባራት ጉዱኣት ኲናት ትግራይ ዝዉዕል 1 ነጥቢ 5 ሚልዮን ቅርሺ - ንማሕበር ጉዱኣት ኲናት ትግራይ፣ 
  • ንመሐከሚ ዝሓመሙ ፅጉማት ነባራት ተጋደልቲ ዝዉዕል 1 ሚልዮን ቅርሺ - ንማሕበር ተጋደልቲ ትግራይ፣ 
  • ንመሐከሚ ፅጉማት ስቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ዝዉዕል 2 ሚልዮን ቅርሺ - ንቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይ፣  ብሓገዝ ሂቡ'ሎ::

ምግባረ ሰናይ ትእምት ቅድም ክብል'ዉን ልዕሊ 5 ነጥቢ 2 ሚልዮን ቅርሺ ወፃኢ ብምግባር  ምስ ማእኸል ሕክምና ተጋደልቲ ብምትሕብባር ን 55 ሓደሽቲ ጉዱኣት ኲናት ተጋደልቲ ትግራይ ከምዘሐከመ ዝዝከር'ዩ::
@tikvahethiopiatigrigna

hace 4 días, 12 horas
ምግባረ ሰናይ ትእምት ንተመዛበልቲ ኣባላት ማሕበራት …

ምግባረ ሰናይ ትእምት ንተመዛበልቲ ኣባላት ማሕበራት ጉዱኣት ኲናትን ተጋደልትን ትግራይ ልዕሊ 6 ሚልዮን ቅርሺ ደጒሙ::

ልፍንታዉያን ፀላእትን ወረርትን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝፈፀምዎ  ኲናት ህዝብና ኣደዳ ስደትን ምምዝባልን ከምዝኾነ ዝፍለጥ'ዩ:: እቶም ተመዛበልቲ ኣባላት ጉዱኣት ኲናት ትግራይ ይርከብዎም::

ምግባረ ሰናይ ትእምት ፀገም'ዞም ተመዛበልቲ ጉዱኣት ብግዚያዉነት ንምቅላል ብምዕላም ካብ ዘለዎ ዓቕሚ ን 2,763 ተመዛበልቲ ኣባላት ማሕበራት ጉዱኣት ኲናትን ማሕበር ተጋደልትን ትግራይ ናይ ክልተ ኣዋርሕ ብድማር ልዕሊ 6 ሚልዮን ቅርሺ ድጎማ ስንቂ ገይሩ'ሎ:: ብመሰረት'ዚ 

  • ን 2,290 ተመዛበልቲ ኣባላት ማሕበር ጉዱኣት ኲናት ትግራይ ናይ 2 ወርሒ ድጎማ ብድማር 5,015,100 ቅርሺ፣ 
  • ን 473 ተመዛበልቲ ኣባላት ማሕበር ተጋደልቲ ትግራይ ናይ 2 ወርሒ ድጎማ ብድማር 1,035,870 ቅርሺ ፣ ሂቡ'ሎ::

ምግባረ ሰናይ ትእምት ብዘለዎ ዓቕሚ ማሕበራዊ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ንምቅላል ብዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ቅድም ክብል ንተመዛባሊ ህዝብና ዝውዕል 100 ሚልዮን ቅርሺ ከምዝለገሰ ዝዝከር'ዩ::
@tikvahethiopiatigrigna

hace 1 semana, 3 días
ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)
hace 1 semana, 3 días
ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)
hace 1 semana, 3 días
"ኣብ ትግራይ ዝህነፅ እቲ ዝፈረሰ መስጊድ …

"ኣብ ትግራይ ዝህነፅ እቲ ዝፈረሰ መስጊድ ጥራይ እንተይኾነ ካሊእ ግዙፍ  ማእክል ቱሪዝም ዓለም  ዝምጥን  እዩ"
ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ፕሬዜዳንት ጉዳያት  እስልምና ኢትዮጵያ : 

"መስጊድ ኣልነጋሺ ንምህናፅ ብውልቀ ይኹን ብሕብረት ዝግበር ኩለመዳያዊ ምንቅስቓስ መንግስቲ ትግራይ ይድግፍ"
ፕረዝደንት  ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ  ጌታቸው ረዳ : 

ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ከተማ ነጋሽ ግዙፍ መስጊድ ፣ ኢስላማዊ ማእከል ፣ ግዙፍ ሙዚየም፣ ዩኒቨርሲቲ፣ ናይ ዓይኒ ሆስፒታል ዘማለእን ማእኸል ክህነፅ እዩ።

እቲ ዝህነፅ ማእከል ኣብ 50,000 ካሬ መሬት ዝዓርፍ ከምዝኾነ ሚያዝያ 29 /2016 ዓ.ም ኣብ ሸራተን ሆቴል ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምልላይ ስነነ-ሰርዓት ተገሊፁ።

ኣብ'ቲ መሰጊድ ነጋሽ ዳግም ንምልማዕ ዝዓለመ ናይ መላለዪ ፕሮግራም ላዕለዎት ኣመራርሓ ጉዳያት እስልምና ፌደራልን ትግራይን ምርካቦም ካብ ገፅ ማሕበራዊ ሚድያ ጋዜጠኛ ዳሞራ ያሕያ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።
@tikvahethiopiatigrigna

hace 2 semanas, 2 días
ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)
hace 2 semanas, 2 días
ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)
hace 2 semanas, 4 días

እቲ ምትእኽኻብ እቶት ኣብ ወርሒ መጋቢት 2016 ዓ/ም ምስላጥ ከምዝጀመረ ዝዝከር ኮይኑ ካልኣይ ዙር ድማ ትማሊ 20 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም ኣብ ከተማ ዓዲግራት ተሳሊጡ ኣሎ ። ንዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ እውን ዝቕፅል ብምዃኑ ኩሉ ተወላድን ፈታውን ተሳትፎኡ ከሐይል መምህር ምሩፅ  ከም ዝፀውዑ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ዞባ ምብራቕ ትግራይ ሚያዝያ 21 / 2016 ዓ.ም ፀብፂቡ። 
@tikvahethiopiatigrigna

hace 3 semanas, 5 días
ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)
We recommend to visit

📥ምርት እና አገልግሎቶን ማስተዋወቅ ከፈለጉ ያናግሩን
FOR ANY PROMOTION 📩 @Abemallik

● Welcome to Ethio music Channel

➤ For any promotion and Advertising 📩 inbox @Markonal21 ወይም @ethiomusic21bot
.
.
● የበጎ አድራጎት ስራዎችን በነፃ ፖስት እናደርጋለን ለመልካምነት ቦታ አይመረጥም ! ያዋሩን
.
.
● የሀገር ውስጥ አዳዲስ
ሙዚቃዎች
አልበሞች በፍጥነት ያገኛሉ
.
● እንዲሁም በቀናነት JOIN & SHARE ያድርጉ !

Last updated 2 weeks, 1 day ago

🇪🇹 የኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን  አስተምህሮ ና ስርአትን የጠበቁ ቆየት ያሉና አዳዲስ👇👇

👏 የቸብቸቦ መዝሙራት 🎻 የበገና መዝሙራት  
👑 የቅዱሳ መዝሙራት ⛪️ የንግስ መዝሙራት
💍 የሠርግ መዝሙራት 🌦 ወቅታዊ መዝሙራት መገኛ


📢ለ ማስታወቂያ ስራዎች @Miki_Mako