ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)

Description
We recommend to visit

ዳንኤል ፍቃዱ ተስፋዬ በሁሉም የፌደራል ፍርድ ቤቶች ጠበቃና የህግ አማካሪ
ስልክ - 0913158507 ወይም 0978554559
Daniel Fikadu Tesfaye Certified Attorney of law at all Federal Courts of Ethiopia.
Email- nurotekore@gmail. Com
⚖️⚖️Ethiopian Law by Daniel Fikadu channel ⚖️⚖️⚖️

Last updated 4 months, 3 weeks ago

1 month ago

ኣብ ታሕተዋይ ብርኪ ዝርከቡን ኣብ ምህርቲ መስፍን ኢንዳስትርያል ኢንጅነሪንግ ወሳናይ ግደ ዘለዎምን ሰብ ሞያን ጉልበት ሰራሕተኛታትን ከምዝበልዎ “ሓደ ሰራሕተኛ ብሒሳብ መዓልታዊ ካብ 50 ብር ክሳብ 200 ብር መዓልታዊ ክፍሊት እዩ ዝሰርሕ ፡፡ ዝበዝሕ ካብ 12 ዓመት ንላዕሊ ዝሰርሐ ሰራሕተኛ በዚ ክፍሊት ቤተሰብ ከመሓድርስ ይትረፍ ንውልቀኡ ንኽነብር ኣዝዩ ከቢድዎ ኣሎ” ይብሉ፡፡ ብምኽንያት እዚ ብፍላይ ሕዱር ሕማም ዘለዎም ሰራሕተኛታትን ደቂኣንስትዮን ንሕማምን ሞትን ይቃልዑ ምህላዎም ዘዘራረብናዮም መተሓባበርቲ እቲ ሰልፊ ኣረዲኦም፡፡ 

እዚ መሰል ሰራሕተኛታት ንብዙሕ እዋናት እናተሓተተ ዋላ እንተመፅአ “ስትራክቸር ንሰርሖ ኣለና” ብዝብል ሽፋንን “ዓቕሚ ትካል ኣይፈቕዶን” ብዝብል ምኽንያትን እናተንከባለለ ዛጊድ ዘዕግብ መልሲ ከምዘይረኸቡ፤ ካብዚ ብዝዘለለ ኣመራርሓ እቲ ትካል “ዝደሊ ይስራሕ፣ ዘይደሊ ይኺድ” ዝብል መልሲ ከምዝሃቦም ሓቢሮም፡፡ 

“ትካል መስፍን ኢንዳስትርያል ኢንጅነሪንግ ብፅሬት ፍርያቱ ኣዝዩ ዝምስገን ዝነበረ ትካል ሐዚ ዘለዎ ዓቕሚ መፍረያይነትን ውሽጣዊ ሃፍቱን ክረአ ኣለዎ” ዝብሉ እቶም መተሓባበርቲ ሰራሕተኛታት ምሉእ ዓቕሞም ፀንቂቖም እናሰርሑ ዝግብኦም ጥቕማ ጥቕምን ክፍሊትን ዘይረኽብሉ ምኽንያት ተፀኒዑ ሕቶኦም ክምለሰሎም ፀዊዖም፡፡ 

“ካልኦት ኣሓት ኩባያታት ትካል ትእምት ንሰራሕተኛታተን ደመወዝ ወሲኸን እናሃለዋ ንምንታይ ኣባና ዘይተሰርሐ?” ዝብል ሕቶ ዘለዎም እቶም ሰራሕተኛታት ጥቅምቲ 12 /2017 ዓ⁄ም ሰልፊ ኣካይዶም ዋላ እኳ እንተነበሩ ክሳብ ሐዚ ዝረኸብዎ ጭቡጥ መልሲ ብዘይምህላዉ ኣመራርሓ ቦርድ ትእምት ነዚ ሕቶኦም ግቡእ ትኹረት ሂቡ ምላሽ ንኽህቦም ኣተሓሳሲቦም፡፡
@tikvahethiopiatigrigna

1 month ago
ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)
1 month ago
ቲክቫህ-ኢትዮጵያ (ትግርኛ)
4 months ago
  1. ጊዚያዊ ምምሕዳር ኣብ ኩለ መዳይ ዳግመ ህንፀት ስራሕቲ ትግራይ ምስ ህዝቡ ኮይኑ በቢሴክተሩ መደባቱ ንምፍፃም ዝተፈላለዩ ፃዕርታት እናገበረ ይርከብ። ብፍላይ ድማ ሰላምን መገዲ ሰላምን ኣፅኒዑ ብምሓዝ ብኸቢድ መስዋእቲ ዝተረኸበ ሰላም ከይተዘረገ ክቕፅልን ህዝብና ነዚ ተጠቒሙ ስሩዕ ህይወትን ናብራን ክመርሕን ዝክኣሎ ኩሉ እናፈፀመ እዩ። እንተኾነ ግን   ኣብ ቀንዲ ዕማሙ ዝኾነ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ክፍፀም ኣብ ምግባር፣ ግዝኣታዊ ሓድነት ኣብ ምርግጋፅን ተመዛበልቲ ናብ ቦትኦም ኣብ ምምላስን ዝተወደበ ኣመራርሓ ከዕርፍ ብዘይምኽኣሉ ሕዚ እውን ህዝብና ኣብ ከቢድ ፀገም ኣሎ። ነዚ ኩነታት ኣብ ምልዋጥ ናይ ድርድር ዓቕምና ክብ ክብል ብዘኽእል ኣግባብ ናይ ኩሉ ትግራዋይ ዓቕሚ ብምትእኽኻብ ዝተወደበን  ዝተናበበን ስራሕቲ ንከሳልጥ ንፁር ኣንፈት ኣቐሚጡ ኣሎ።

  2. ኣብ ትግራይና ተፈጢሩ ዘሎ ፀገም ኣብ መንጎ ህወሓትን ግዚያዊ ምምሕዳርን ከምዝኾነ ተገይሩ ዝቐርብ ዘሎ ነገር ፍፁም ዝተጋገየን ናይቲ ፀገም ተሳተፍቲ መነንትን ኣወዳዳባን ዝስሓተን ከምዝኾነ ህዝብና ብንፁር ክርድኦ ኣለዎ። በዚ መሰረት እቲ ፀገም ኣብ ኣብ ዉሽጢ ውድብ ህወሓት ኣብ  ላዕለዋይ መሪሕነቱ ዝተፈጠረ ምክፍፋል እዩ። ናይዚ ፀገም ሳዕቤን ኣብ መሓውር መንግስቲ ዝፈጥሮ ዘሎ ኣሉታዊ ግደ ከምዘሎ ኮይኑ ንግዝያዊ  ምምሕዳር ከም መንግስትን ንመንግስታዊ ስራሕቱን ግን ፈፂሙ ዘይምልከትን ዘየካትትን ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ። ኣባላት መሪሕነት ህወሓት ከም  ኣባላት እቲ ውድብ ኣብቲ ክፍፍል ከከም እምነቶምን ውግንነኦምን ኣብ ክልቲኡ ወገን ይሳተፉ ከምዘለዉ ግልፂ እዩ። እንተኾነ ግን ኣብ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ካብ ኣባላት ህወሓት ወፃኢ ካብ ሙሁራን፣ ኣካላት ፀጥታን ተቓውምቲ ውድባትን ከምዘለውን ኣብቲ ክፍፍል እውን ዝኾነ ይኹን ተሳትፎን ውግንናን ከምዘይብሎምን ክፍለጥ ኣለዎ። ልዕሊ ኩሉ ግን ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ከም ኣካል ይኹን ግዚያዊ ምምሕዳር ከም መንግስቲ ናይዚ ክፍፍልን ንሱ ዘስዕቦ ዘሎ ፀገምን ኣካልን ተሳተፍቲን ከምዘይኮኑ ህዝብና ብዝግባእ  ክፈልጠልና ንደሊ።ብምዃኑ ድማ ግዝያዊ መንግስቲ ውድባዊ ውግንና ይኹን ውድባዊ ምክፍፋል ብዘየገድስ ናይ ኩሉ መንግስቲ ኮይኑ እቲ ክፍፍል ኣብ ትካላትን መሓውራትን መንግስቲ ዘስዕቦ ዘሎ ፀገም ብዝሰኸነ መንፈስ ብሕግን ብስርዓትን እናኣለየ ንመላእ ህዝብና ዝተጠናኸረን ብሕጊ ዝተረጋገፀን መንግስታዊ ኣገልግሎት  ከምዘቐፅልን መንግስታዊ ዕማማሙ ከምዝዋፅእን ክነረጋፅ ንፈቱ።

  3. ካቢኔን ፕሬዚደንትን ግዝያዊ ምምሕዳር ብሕጊ ዝተደንገገን ብዕላዊ ኣግባብ ዝተቐመጠን መንግስታዊ ሓላፍነቶም ንምውፃእን ዝተማለአ መንግስታዊ ቁመና ወኒኖም ተልእኾኦም  ንምውጋንን  ኣብ ኩሎም ትካላትን መሓውራትን መንግስቲ ዘድሊ ናይ ሓላፍነት ምደባታትን ምትዕርራያትን፣ ናይ ህዝቢ መድረኻትን ናይ ለውጢ ስራሕቲን ፕሮግራማትንብዝተማለአ ትካላውነት ተመስሪቱ ኣግባነት ዘለዎ ምክክርን ምርድዳእን እናገበረ ሕግን ስርዓትን ብዝሓለወ ኣግባብ  ምክያድ ከምዝቕፅል ንገልፅ። እዚ ከይዲ መንግስታዊ መደብን ዕማምን ምዃኑ ተፈሊጡ ኣብዚ መዳይ ዝህሉ ዝኾነ ይኹን ምትዕንቃፍ ብሕጊ መሰረት መልክዕ ንምትሓዝ ክስርሐሉ እዩ።  ካብዚ ወፃኢ መንግስታዊ መደባታት ንምልዓል፣ ሓደስቲ ምድባት ንምክያድ ወይ ውሳነታት ግዝያዊ ምምሕዳር ውሳነታት ንምፍራስ ይኹን ናይ መንግስቲ መሓውር ንምህዋኽን ንምሕምዛቕን ዝግበር ዝተወደበ ፈተነን ምንቅስቓስን ግን ተቐባልነት የብሉን። መንግስቲ ነዚ ዘይቅቡል ምንቅስቓስ ንምዕራይ ሕጋዊ መፍትሕታት ክወስድ እዩ።

  4. ኣካላት ፀጥታ ትግራይ ኩሉ ዓይነት ፀገማትን ፈተናታትን ተፃዊሮም ፀጥታ ትግራይ ኣብ ምርግጋፅ ዝሰርሕዎ ዘለዉ ኣድማዒ ስራሕቲ ክብሪ ዝግብኦ እዩ። ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ፀለመን ጠቐነን መንግስቲ ብሕጊ መሰረት ስርዓት እናትሓዞ ክኸይድ እዩ። ከም ኣካል ግዚያዊ ምምሓዳር  በቢብርኩን በቢሴክተሩን ኣግባብነት ብዘለዎ ፅንዓትን ምክክርን እናተገብረሉ ብካቢኔን ፕሬዚደንትን ግዝያዊ ምምሕዳር እናተመርሑ  ብሕግን ስርዓትን መሰረት ዝወሃቦም ተልእኾ ኣብ ምፍፃም ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ዝፍጠር ዝኾነ ይኹን ኣጀንዳ ዘይሻራዊ መትከልን ቅዋምን ተኸቲሎም ዝሰርሑ ምዃኖም  ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ የረጋግፅ።
    ኢሉ ኣሎ።
    @tikvahethiopiatigrigna

4 months ago

ሓደ ኣብቲ ናይ ሪፎርም ኣጀንዳ ሓቛፋይ ዝኾነ ኣማኻሪ ካውንስል ምጥያሽ ዝብል እዩ።

ኢሎም። 

@tikvahethiopiatigrigna

4 months ago

"...ምኽንያቱ እቲ ጄኖሳይድ ኣብ ነብሲ ወከፍ  ስድራ ቤት ትግራይ ዝተፈፀመን፥ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂን ስለዝኮነ ። እምነት ውድብና ህወሓት 'ውን እዚ እዩ። የግዳስ እቲ ጄኖሳይድ ሐዚ’ውን ብኻሊእ መልክዕ ይቕፅል እዩ ዘሎ።  " ክብሉ ወሲኾም ዶ/ር ደብረፅዮን።

"ኣብ ውሽጥና ዝነበሩ ሰባት ግን፥ ንባዕሎም ናፃ ገይሮም፥ ንኻልእ ተሓታቲ ንምግባር፥ ንቶም ፈፀምቲ ጄኖሳይድ ናፃ ንምውፃእን ተሓታትነት ንምግልባጥን ሓሲቦም ይሰርሑ ነይሮምን ኣለዉን። ኣነ ክገልፆ ዝደለኹ ከኣ ብዛዕባ ዕላማ ናይዞም ኣካላት፥ እምበር ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተፈፀመ ጄኖሳይድ ቁፅሪ ንምግላፅ ኣይኮነን ። ኣይነበረን። " ብምባል ወሲኾም ዶ/ር ደብረፅዮም።

" እዚ ከምዚ ዝበለ ገበን ብዓለምለኸ ትካላት ከይፃረ እናገበሩ፥ ገበን ንዝፈፀሙ ኣካላት እናፈትሑ፥ ንመሪሕነት መኸተና ብጄኖሳይድ ዘፀልሙ ሰባት “ከምዚ ይብሉና ኣለዉ” ንምባል ዝተዘረበ ኣገላልፃ እምበር፥ ንጄኖሳይድ ትግራይ ብዝኾነ መንገዲ ኣብ ሕቶ ዘውድቕ ከምዘይኮነ ደጊመ ብኣፅንኦት ክገልፅ ይደሊ። " ክብሉ ሓሳቦም ኣጠቓሊሎም ኣቦ-መንበር ህወሓት ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል (ዶ/ር) ።

ኣብ ቀረባ ጊዜ ኣብ ዝተኻየደ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት ኣቦ-መንበር ኮይኖም ዝተመረፁ ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል (ዶ/ር) ምስ ኒው ሆራይዘን ዝተብሃለ ሚድያ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ-መጠይቕ '' ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈፀመ ጄኖሳይድ ኣይተጸንዐን፤ ዝፍለጥ ነገር የለን፤ ሚልዮን ዝበሃል ዘሎ ንኣመራርሓ ንምውንጃል እዩ :''  ምባሎም መዘራረቢ ኣጀንዳ ኾይኑ ቀፂሉ ኣሎ።
@tikvahethiopiatigrigna

4 months, 1 week ago

ምትዕርራያት ዝምልከት ኣብ ሞንጎ ህወሓት ዝተፈጠረ ምትፍናን ኣሎ ዝበሉ ፕሬዘዳንት  ጌታቸው ረዳ፣  ስምምዕ ፕሪቶሪያ  ኣብ ምትግባር ሐዚ እውን ዘይተሰርሑ ስራሕቲ ኣለው ሰለዚ ዘይተፈፀሙ ነገራት ንምፍፃም ትኩረት  ሂብና ክንሰርሐሉ ኢና  ክብሉ ኣረጋጋፆም።

ኣብ ፀለምትን  ደቡቡን ዘለው  ተመዛበልትና ዘለዎም  ፀገማት ብዝግባእ ንርድእ ኢና ፣  ሰለዚ እዚ ክንፈትሖ ኢና ዝበሉ ፕሬዘዳንት  ጌታቸው ረዳ፣ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ እውን ብዝተወደበን ብውሕሉሉን መንገዲ ክንምልሶም ኢና  ክብሉ ኣመላኪቶም።

ፅቡቃት ምንቅስቃሳት ኣለዉ  ቀፃሊ ዓመት ኣጠናኪርና ክንቅፅለሉ ኢና ክብሉ ኣገንዚቦም ክብል ድወት ፀብፂቡ። 
@tikvahethiopiatigrigna

We recommend to visit

ዳንኤል ፍቃዱ ተስፋዬ በሁሉም የፌደራል ፍርድ ቤቶች ጠበቃና የህግ አማካሪ
ስልክ - 0913158507 ወይም 0978554559
Daniel Fikadu Tesfaye Certified Attorney of law at all Federal Courts of Ethiopia.
Email- nurotekore@gmail. Com
⚖️⚖️Ethiopian Law by Daniel Fikadu channel ⚖️⚖️⚖️

Last updated 4 months, 3 weeks ago