ወሒድ የሃይማኖት ንጽጽር በትግሪኛ

Description
ወሒድ ኣብ ሞንጎ እስልምናን ክርስትናን ዘሎ ኣፈላላይን ምምስሳልን ብምንንፃር ዘምህር ሓውና እዩ። እዚ ሓውና ቋንቋዊ፣ሰዋስዋዊ፣ ዓውዳዊ፣ ተዛማዲ፣ ስነ-ጽሑፋዊ እና ስነ ኣመክንዮዊ መጎት ብምቅራብ ዝፍለጥ ተሟጓቲን መርባባይን እዩ። ኣብ መጎተኡ በቀንድነት ዝጥቀመሎም ቋንቋታት ኣምሓርኛ፣ ግዕዝ፣ እንግሊዘኛ፣ዓረቢኛ፣ዕብራይስጥን ግሪክን እዮም።

ፅቡቅ ናይ ንባብ፣ ፅንዓትን ንፅፅር ግዜ ክኾነልኩም ንምነ።
Advertising
We recommend to visit

Welcome To Amharic films

Best Place To find Amharic Movies

አዳዲስ እና የድሮ አማርኛ ፊልሞችን እና አማርኛ ተከታታይ ድራማዎችን ለማግኝት ቻናላችንን Join ይበሉ ።
Share:- @Amharic_Films

ለማስታወቂያ - @Abusheymc & @Alpha6249

Buy ads: https://telega.io/c/Amharic_films

Last updated 1 год, 6 месяцев назад

ስለ መድፈኞቹ የሚወጡ መረጃዎች ለማግኘት የትም መሄድ አያስፈልግም

- የዝዉዉር ዜና
- የአሰልጣኞች አስተያየት
- የተጨዋቾች የህይወት ታሪክ
- ጨዋታዎችን በቀጥታ ስርጭት

ለማስታወቂያ ስራ  --> @Aymu_xo

Last updated 1 месяц назад

╔╦╦═╦╔╦═╦═╦═╗
║ እንኳን ደህና መጡ | |
╚══╩═╩═╩╩╩╩═╝
➟ እንኳን ወደ ትልቁ የሊቨርፑል ( መርሲሳይድ) ቻናል በደህና መጡ ።
◉ ስለ ሊቨርፑል ◉
🔴 ዝውውሮች

🔴 ውጤቶች

🔴 የጨዋታ ፕሮግራሞች

🔴 እንዲሁም የተጨዋቾች ግለ ታሪክ

🔴 ጨዋታዎችን በቀጥታ ወደናንተ የምናደርስ ይሆናል።

Owner:- @hackersolo0⭐️

Last updated 2 недели, 1 день назад

3 weeks, 5 days ago
አሥ ሠላሙ ዐለይኩም ያ ጀመዓህ!

አሥ ሠላሙ ዐለይኩም ያ ጀመዓህ!

ተቅዋእ ሐበሻህ የሙሥሊም ሴቶች ዓለም ዓቀፍ ድርጅት ከተውሒድ ኢሥላማዊ ጥሪ ማኅበር ጋር በመመካከር በኡሥታዝ ወሒድ ዐቃቢ ኢሥላም ተማሪዎች ስብስብ በተመሠረተው በተውሒድ ኢሥላማዊ ጥሪ ማኅበር በዲን ምክንያት ከቤታቸው ለሚባረሩ ለሠለምቴዎች ማረፊያ ግንባታ የገቢ ማሰባሰቢያ መርሐግብር የፊታችን እሑድ እንደ ጎርጎሮሳውያን አቆጣጠር ታኅሳስ"December" 15 በኢትዮጵያ ከምሽቱ 2 ሰዓት ጀምሮ በአጉላ ስብስብ"Zoom Meeting" ላይ ስለሚጀምር ሁሉም የሙሥሊም ማኅበረሰብ እንዲገኝ ከታላቅ አክብሮት እና ፍቅር ጋር ጋብዘናል።

4 months ago

እንቁጣጣሽ

ብሽም ኣሏህ በቲ ኣዝዩ ርሕሩሕን ራሕራሒን ዝኾነ
57:3 ካብ ጎይታኹም ናባኹም ዝተወረደ ተኸተሉ። اتَّبِعُوا مَا أُنزِلَ إِلَيْكُم مِّن رَّبِّكُمْ

''ጳጉሜ'' ዝብል ቃል ''ኤፖግሜኖይ'' ἐπαγόμενοι ካብ ዝብል ናይ ግሪክ ቃል ዝተረኽበ እንትኸውን ትርጉሙ ''ተወሳኺ'' ወይም "ዝተወሰኸ" ማለት እዩ፥ጳጉሜ ናይ ወርሒ ሽም እንትኸውን ኣብ ነባራት 12 ኣዋርሕ ዝተወሰኸ 13ኛ ወርሒ እዩ። እዚ ወርሒ ኣብ መንጎ ነሓሰን መስከረምን ዝርከብ ናይ መወዳእታ ወርሒ እዩ፥ጳጉሜ ብናይ ኢትዮጵያ ዘመን ኣቆፃፅራ ብዘመነ ሉቃስ ሽዱሽተ መዓልትታት እንትህልዉ ብዘመነ ዮሐንስ ፣ ብዘመነ ማቴዎስን ብዘመነ ማርቆስን ድማ ሓሙሽተ መዓልትታት ይኸውን። ልቢ በሉ! እዚ ወርሒ ካብ ግሪክ ሄለኒዝም ዝተጀመረን ካብ ኣሌክሳንድርያ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ እምበር ብዕብራውያን ኣቆፃፅራ 12 ኣዋርሕ ጥራይ እዩ ። ኣምላኽና ኣሏህ ናይ ኣዋርሕ ቁፅሪ ኣብ ናዩ መፅሐፍ ስማያትን ምድርን ኣብ ዝፈጠረሉ መዓልቲ 12 ወርሒ ከም ዝኾነ ነጊርናሎ፦
9፥36 ኣሏህ ዘንድ ናይ ኣዋርሕ ቁፅሪ ኣብ ናይ ኣሏህ መፅሓፍ ሰማያትን ምድርን ብዝፈጠረሉ መዓልቲ ዓሰርተ ክልተ ወርሒ እዩ። إِنَّ عِدَّةَ ٱلشُّهُورِ عِندَ ٱللَّهِ ٱثْنَا عَشَرَ شَهْرًۭا فِى كِتَٰبِ ٱللَّهِ يَوْمَ خَلَقَ ٱلسَّمَٰوَٰتِ وَٱلْأَرْضَ

እዚ ዘርእዮ ናይ ኢትዮጺያ ዘመን መለወጢ ብልምዲ ካብ ግሪክ ዝመፀ ሰርጎገብ እምበር ሃገር በቆል ኣይኮነን፥ካብኡ ሓሊፉ መለኮታዊ ዘለዎ ከይኮነ ሰብሰራሕ ቢድዓህ እዩ። ዓመተ ምህረት ዘማእኸለ ዘመነ ሉቃስ፣ ዘመነ ዮሐንስ፣ ዘመነ ማቴዎስን ዘመነ ማርቆስን ሰብሰራሕ ሃይማኖታዊ ኣስተምህሮት እዩ ፥ ኣብኡ ተደሪቡ ድማ ናይ ባዕድ ኣምልኾ ዝፍፀመሉ መዓልቲ እዩ። ብጳጉሜ መዓልትታት ኾነ ኢልካ ኣንጊሁ ዝወፀ ሰብ ንክረግፆም ተሓሲቡ ብጎረቤት መተሓላለፊ መንገዲን ህዝቢ ብዘዘውትሮም መንገድታትን ኣጣሊ፣ደራሁ፣ደማሙን ማንትለታትን ወዘተ ተሓሪዶም ይድርበዩ፥ብደም ዝተነኸሩ ሳንቲማትን፣ ኣቅራሻትን፣ መገያየፂታትን ዝተፈላለዩ ኣእዳዋትን ኣብዝን ኣፍትን ወዲቖም ይረኣዩ።

እዚ መዓልቲ እንትውዳእ ናይ መዓልቱ መጨረሻ ተሃፂፅሉ ስለ ዝመፅእ "እንቁ" ተባሂሉ፥ ዘምፅኦ ጣጣን መዘዝን ድማ "ጣጣሽ" ተብሃለ። ብጥቕልሉ "እንቁጣጣሽ" ተባህለ ፣ ጥንቁልናን ድግምትን ካብ ዓብዪ ሺርክ ዝምደቡ ናይ ኣሏህ ሓቂ ዝነክእ ዓብዪ በደል እዩ። እንቁጣጣሽ ምኽባር ሃገራዊ ከይኾነ እምነታዊ መሠረት ዘለዎ እንትኸውን ምስኡ ዝተተሓሐዙ ባዕዳዊ ኣምልኾታት ሓሲብና ካብዚ ሰብ ሰራሕ በዓል ዓርስና ንሓሉ! እንግዲህ እንቁጣጣሽ ዓመታዊ በዓል ዓረማዊን ክርስናን ሓዊሱ ዝሓዘ በዓል እዩ፥ ብዚ ግዜ እንኳዕ ኣብፀሐና ወይም እንኳዕ ኣብፀሓኩም እንትበሃል ነዚ በዓል ተሓሳቢን መደረኺን ዝገበረ እዩ።  ሙስሊም ዘለዎ ዓመት በዓላት ኽልተ ጥራይና ጥራይ እዮም ፥ንሶምውን ዒዱል ፊጥርን ዒዱል ኣድሓን እዮም ፦
ሡነን አቢ ዳዉድ መጽሐፍ 2 ሓዲስ 745 ኣነሥ ኢብኑ ማሊክ ከምዝተረኽዎ ፦ ናይ ኣሏህ መልእኽተኛ ﷺ መዲና እንትኣትዉ ናይ መዲና ሰባት ዝድሰቱሎም ኽልተ በዓላት ከም ዘለዎም ፈለጡ። ንሶምውን "እዚኦም ኽልተ መዓልትታት እንታይ እዮም? ብምባል ሓተቱ"፥ " ሰባትውን ብጃሂልያ ዘመን ንጫወተሎም ዝነበርና በዓላት እዮም በሉዎም ። ናይ ኣሏህ መልእኽተኛውን "ኣሏህ ካብኦም ዝሓሹ ኽልተ ዒዳት ሂብኩማሎ፥ ንሶም ድማ ፦ ዒዱል ፊጥርን ዒዱል ኣድሓን በሉዎም"።  عَنْ أَنَسٍ، قَالَ قَدِمَ رَسُولُ اللَّهِ صلى الله عليه وسلم الْمَدِينَةَ وَلَهُمْ يَوْمَانِ يَلْعَبُونَ فِيهِمَا فَقَالَ ‏”‏ مَا هَذَانِ الْيَوْمَانِ ‏”‏ ‏.‏ قَالُوا كُنَّا نَلْعَبُ فِيهِمَا فِي الْجَاهِلِيَّةِ ‏.‏ فَقَالَ رَسُولُ اللَّهِ صلى الله عليه وسلم ‏”‏ إِنَّ اللَّهَ قَدْ أَبْدَلَكُمْ بِهِمَا خَيْرًا مِنْهُمَا يَوْمَ الأَضْحَى وَيَوْمَ الْفِطْرِ ‏”‏ ‏.‏

ጃምዒ አት ቲርሚዚይ መጽሐፍ 8, ሐዲስ 121
ዒኢሻ ረድየሏሁ ዓንሃ ከምዝተረኸቶ ናይ ኣሏህ መልእኽተኛ ﷺ ከምዚ በሉ ፦ "ዒዱል ፊጥር ሰባት ፆም ዝፈትሑሉ እዩ፥ ዒዱል ኣድሓ ድማ መስዋእት ዘቅርቡሉ መዓልቲ እዩ"። عَائِشَةَ، قَالَتْ قَالَ رَسُولُ اللَّهِ صلى الله عليه وسلم ‏ “‏ الْفِطْرُ يَوْمَ يُفْطِرُ النَّاسُ وَالأَضْحَى يَوْمَ يُضَحِّي النَّاسُ ‏”‏

ጃምዒ አት ቲርሚዚይ መጽሐፍ 8, ሐዲስ 91
አቡ ሰዒደል ኹድሪይ ከምዝተረኾ ፥ ናይ ኣሏህ መልእኽተኛ ﷺ ኣብ ኽልቲኦም በዓላት ዒዱል ፊጥርን ዒዱል ኣድሓን ምጿም ከልኪሎም"። عَنْ أَبِي سَعِيدٍ الْخُدْرِيِّ، قَالَ نَهَى رَسُولُ اللَّهِ صلى الله عليه وسلم عَنْ صِيَامَيْنِ يَوْمِ الأَضْحَى وَيَوْمِ الْفِطْرِ

"ዒድ" عِيد ዝብል ቃል "ዓደ" عَادَ  ማለትውን "ተመላለሰ" ካብ ዝብል ስርወ ቃል ዝመፀ እንትኸውን "ምልሰት" ማለት እዩ ፥ እዚ "መሐጎሲ" ወይም "በዓል" በቢዓመቱ ስለዝመላለስ እዚ ስያሜ ረኺቡ። ስለዚ ካብ ኣሏህ ብዝወረዱ ቑርኣንን ሓዲስን ጥራይ እንተተኸቲልና ኽልተ በዓል ጥራይና ጥራይ ኣለና፦ 7፥3 ካብ ጎይታኹም ናባኹም ዝተወረደ ተኸተሉ። اتَّبِعُوا مَا أُنزِلَ إِلَيْكُم مِّن رَّبِّكُمْ

"ተኸተሉ" ዝብል ቃል "ኢተቢዑ" اتَّبِعُوا እንትኸውን "ኢቲባዕ" إِتْبَاع‎ ማለት ባዕሉ ናይ ቢድዓህ ተቓራኒ ካብ ኣሏህ ናብ ነብይና ﷺ ዝተወረደ ጥራይ ምኽታል ማለት እዩ ።  ቢድዓህ" بِدْعَة ዝብል ቃል "በደዐ" بَدَّعَ ማለትውን "ፈጠረ"  ካብ ዝብል ሥርወ-ቃል ዝመፀ እንትኸውን "ፈጠራ" ማለት እዩ፥ ኣብ ቑርኣንን ሓዲስን ዘየለ ነገር ኣብ ዲን ምውሳኽ "ቢድዓህ" እንትኸውን ሙስሊም ግን ዝተወረደ  ጥራይ እንትኽተል ኽልተ ዒድ ጥራይና ጥራይ የኽብር። ስለዚ "እንቁጣጣሽ" እንትንበሃል "እንኳዕ ደሓን መፃእኺ" ካብ ምባል "መን ኣምፂእኪ?" ኢልና ብታሪኻዊ ድሕረ ባይታን ፍሰትን ንሙግት። በዓሉ ብዘይምፍላጥ ንዘኽብሩ ኣምላኽና ኣሏህ ሂዳያህ ይሃቦም! ንዓናውን ፅንዓቱ ይሃበና! ኣሚን።

ካብ ዐቃቢ ኢሥላም ወሒድ
https://t.me/Wahidcom

ወሠላሙ ዐለይኩም

1 year, 3 months ago

ኣብ ምድሪ ዘሎ ሕድሕድ ሰብ ናይ ባዕሉ ገፅ ዘለዎ እንትኸውን ብስም፣ ብኣካል፣ ብግብሪ ሸሞንተ ቢልዮን እዩ፥ ግን ናይ ኹሎም ምንነት ሓደ ምንነት ስለዝኾነ ሸሞንተ ቢልዮን ሰብ ሓደ ሰብ ኣይበሃልን። ሸሞንተ ቢልዮን ሰባት ዘበሎ ብማንነት እገለ እናተብሃለ ስለ ዝፈላለ እዩ፥ ኣምላኽ ብማንነት እገለ እናተብሃለ ብስም፣ ብኣካል፣ብግብሪ እንተተፈላልዮ ሓደ ከይኮነስ ብዙሕ እዮ

። ብሰለስተ ገፅታት ዝተፈላለየ መለኾት ፣ ጌታ፣ ንጉስ፣ ኣምላኽ እና ፈጣሪ መድብለ ኣምላኻት እምበር ኻልእ ኣይኮነን፦
ሰይፈ ሥላሴ ዘእሑድ ምዕራፍ 8 ቑፅሪ 41 "ሰለስተ እትኸውን ጎይታይ ፣ ንጉሰይ፣ ኣምላኸይ፣ ፈጣሪዬይ ሆይ*! ንኣዳራሽኻ መብራህቲ ንመመላለሲኻ ፀሓይ ኣይትደልን"።
መልክአ ሥላሴ ቑፅሪ 39 "ኦ ሥሉስ ቕዱስ! ናይ ኣዳምን ሔዋንን "ፈጣሪታቶም" ከም ምዃንኩም ናይ ምሩኻት ነፃ መውፀኢ ዝኾነ ሓይኹም ናይ ጣኦታት ሓሶተኝነት ኣጋሊፁ "።

ሥላሴ "ፈጣሪታት" እንተተባሂሎም ክንደይ ፈጣሪ እዩ ክህሉ? ንሳቶም እውን ብድፍረት፦ "ኤሎሂም" ማለት "ኣማልኽቲ" ማለተ እዩ ስለዚ "ኣማልኽቲ" ዝተብሃለ ሥላሴ ኣምላኽና እዩ" ብምባሎም ሥላሴ "ኣማልኽቲ" ምዃኖም ብግልፂ ነጊሮምና። ነግ ፈለግ ከይበሉ "ሰለስተ ብሓደ ዝኾነ ኣምላኽ "Triune God" ይብልዎ፣ ብሃገርና "ሥላሴ" ማለት "ሰለስተነት" ማለት እዩ፣ ናይ ክርስቲያናት ድማ "ተሥሊስ" ይብልዎ። ፕሮቴስታንታት ድማ፦ "ኣብ ዓርሱ ዝኸኣለ ኣእምሮ፣ ፍቓድን ስምዒትን ኣለዎ፣ ወልድ ዓርሱ ዝኸኣለ ኣእምሮ፣ ፍቓድን ስምዒትን ኣለዎ፣ መንፈስ ቕዱስ ዓርሱ ዝኸኣለ ኣእምሮ፣ ፍቓድን ስምዒትን ኣለዎ" ይብሉ፥ እዚ ብኦርቶዶክስ ሰለስተ ኣማልኽቲ እዩ፦ መፅሐፈ ሜላድ 6፥38 ሰለስተ ልቢ፣ ሰለስተ ቓል፣ ሰለስተ እስትንፋስ ዝብል ግን ሰለስተ ኣማልኽቲ ኣምሊኹ"።

"ለበወ" ማለት "ፈለጠ" ማለት እንተኾይኑ ሰለስቲኦም ማንነታት ነናይ ባዕሎም ፍልጠት እንተሃልይዎምን ዓርሲ ን ዓርሶም ዝነጋገሩ እንተኾይኖም ሰለስተ ልቢ ይኸውን፥ ብፕሮቴስታንት ልክዕ ከም ኣርጌናሳውያን ኣብ ንወልድን መንፈስ ቅዱስን ዘመሓድሮም ኣመሓዳዳሪኦም እዩ፦ 1ይ ቆሮንቶስ 15፥28 ሓድሽ መደበኛ ትርጉም መብራህርሂ፦ "ወልድ ንኣብ ዝግዘኦ ብምምሕዳር ጉዳይ እንትኸውን ...ብሥላሴ ኣካላት መንጎ ድማ ኣብ ላዕለዋይ ኣመሓዳሪ እዩ"

እምበኣር ሥላሴ ሰብ ብምእማኑ ዝድሕነሉ ብምክሓዱ ዝጠፍአሉ ዓንቀፀ እምነት ምኾነ ኔሩ ነብያትን ሓዋርያትን ብግልፂ ልክዕ ከም ተውሒድ መቕመጡልና ኔሮም። ነገር ግን ኣብ ግልፀተ መለኾት ውሽጢ ናይ ሥላሴ ሓሳቡ ስለዘየለ <<ሰለስተ እዩ>> ኣይትበሉ! ተኸልኸሉ! ንዓኹም ዝሐሸ ክኸውንዩ። ኣሏህ ሓደ ኣምላኽ ጥራይ እዩ። وَلَا تَقُولُوا ثَلَاثَةٌ ۚ انتَهُوا خَيْرًا لَّكُمْ ۚ إِنَّمَا اللَّهُ إِلَـٰهٌ وَاحِدٌ
ኣምላኽና ኣሏህ ሂዳያህ ይሃብኹም!
ንዓና እውን ፅንዓቱ ይሃበና! ኣሚን

ካብ ዓቃቢ ኢሥላም ወሒድ
https://t.me/Wahidcom

ወሠላሙ ዐለይኩም

1 year, 3 months ago

ተሥሊስ

ብናይ ኣሏህ ሽም በቲ ኣዝዩ ርሕሩሕ ኣዝዩ ራሕራሒ ዝኾነ

4÷171 "ሰለስተ እዩ " ኣይትበሉ! ተኸልኸሉ! ንዓኹም ዝሓሸ ክኸውንዩ። ኣሏህ ሓደ ኣምላኽ ጥራይ እዩ። وَلَا تَقُولُوا ثَلَاثَةٌ ۚ انتَهُوا خَيْرًا لَّكُمْ ۚ إِنَّمَا اللَّهُ إِلَـٰهٌ وَاحِدٌ

"መለኾት" ማለት "ኣምላኽነት" ማለት እዩ ÷ "እግዚአብሔር" ዝብል ቓል ድማ ብግሪክ "ቴዎስ" θεός እንትኸውን "ኣምላኽ""God"ማለት እዩ። ብጥቕልሉ "መለኾት" "እግዚአብሔር" "ኣምላኽ" ተመሳሳሊ ነገር ንምርኣይ ዝመፀ እንትኸውን
ናይ ሥላሴ ሓሳብ:-
1ወላዲ ማንነት ኣምላኽ
2 ተወላዲ ማንነት ኣምላኽ
3 ሰራጺ ማንነት ኣምላኽ እንተደኣ ኾይኑ ወላዲ ኣምላኽ፣ ተወላዲ ኣምላኽ፣ሰራጺ ኣምላኽ ኣሎ ማለት እዩ:-
ሰይፈ ሥላሴ ዘሰኞ ምዕራፍ 2 ቁፅሪ 42
" በጽርሐ አርያም ንዝነብር ፍሉይ ሰለስተ ንዝኸውን ኣምላኽ ሰላምታ ይግባእ"

"ፍሉይ ሰለስተ ንዝኸውን ኣምላኽ" ዝብል ይሰመረሉ! "ሰለስተ ንዝኸውን ኣምላኽ" ብግእዝ "ሥሉስ ኣምላኽ" እዩ። ወላዲ ኣምላኽ "ኣብ" ተወላዲ ኣምላኽ ከምኡውን ሰራጺ ኣምላኽ እንድሕር ዘይኾነ፣ ተወላዲ ኣምላኽ "ወልድ" ወላዲ ኣምላኽ ከምኡውን ሰራጺ ኣምላኽ እንድሕር ዘይኾነ ፣ ሰራጺ ኣምላኽ "መንፈስ ቅዱስ" ወላዲ ኣምላኽ ከምኡውን ተወላዲ ኣምላኽ እንድሕር ዘይኾነ ኽንደይ ኣምላኽ ኣሎ? መልሱ ሰለስተ ኣምላኽ ይኸውን። ምኽንያቱ ወላዲ ኣምላኽ ፣ ተወላዲ ኣምላኽ ፣ሰራጺ ኣምላኽ ሰለስተ እዩ፥ንሳቶም እውን ፦ ብግእዝ "ሦሉስ አምላክ" እንትብሉ ትርጉሙ "ሰለስተ ኣምላኽ" ማለት እዩ:-
ሰይፈ ሥላሴ ዘረቡዕ ምዕራፍ 4 ቑፅሪ 31 " መለኾት ብኣካል ሰለስተ እንትኸውን ብባህሪ ሓደ እዩ"።
"መለኾት ብኣካል ሰለስተ እንትኸውን" ዝብል ይሰመረሉ! መለኾት ብኣካል ሰለስተ እዩ ማለት ናይ ጥዕና ድዩ?
ኣምላኽ ኣቦ (እግዚአብሔር ኣብ)፣ኣምላኽ ውሉድ (እግዚአብሔር ወልድ)፣ኣምላኽ ቕዱስ መንፈስ (እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ) ዝበሃሉ ብኣካል ሰለስተ ኣምላኽ "tritheism" እዮም። ኣምላኽነት ሰለስቲኦም ኣካላት ዝካፈልዎ ባህሪ እምበር "ማንነት እዩ" ኢሎም ኣይኣምኑን:-
ሰይፈ ሥላሴ ዘሓሙስ ምዕራፍ 5 ቑፅሪ 17 "ሰለስተ ናይ ሓዊ ባህሪ ይኹን እምበር ሓደ ብርሃን እዩ"።

"ሰለስተ ናይ ሓዊ ባህሪ" ዝብል ይሰመረሉ! "ሰለስተ ናይ ሓዊ ባህሪ" እንተይሉ ሓደ ብርሃን ከይኮነስ ሰለስተ ብርሃናት እዮም:-
ሃይማኖተ አበው ምዕራፍ 10 ቑፅሪ 6 "ፍልጠት ዝገልፁ ብርሃናት እዮም"።

"ብርሃናት" ናይ ብርሃን ብዙሕ ቑፅሪ እዩ÷ ሓዲኡ ብርሃን ኣብ ኽልቲኦም ብርሃናት ንወልድ እና መንፈስ ቅዱስ ኣርኺቡ( ንክርከቡ ጌሩ ) ማለት ናይ ጥዕና ኣይኾነን:-
ሃይማኖተ ኣበው ምዕራፍ 10 ቑፅሪ 12
"ኣብ ብርሃን እዩ፣ ካብኣብ ዝተወለደ ቓሉ ወልድ ካብ ብርሃን ዝተረኽበ ብርሃን እዩ፣ ከምኡውን ካብኣብ ዝሰረጸ ቕዱስ መንፈስ እውን ካብ ብርሃን ዝተረኽበ ብርሃን እዩ"።

ካብ ሓዲኡ ብርሃን ካብ ኣብ ወልድ ዝበሃል ብርሃን ብምውላድ ተገንዩ እና ካብ ሓዲኡ ብርሃን ካብ ኣብ መንፈስ ቕዱስ ዝበሃል ብርሃን ብምስራፅ ተረኺቡ ዝብል ብግልፂ "ሰለስተ ፀሓይ" ኢሎም ኣቐሚጦም

ሰይፈ ሥላሴ ዘረቡዕ ምዕራፍ 4 ቑፅሪ 21 "ሰለስተ ፀሓይ ሓደ ብርሃን...እዩ " ።
ሰይፈ ሥላሴ ዘሓሙስ ምዕራፍ 5 ቑፅሪ 21 "ሰለስተ ናይ ብርሃን ኣዕማዳት ብመጠን ግን ሓደ እዩ"።

ዶክተር ዛኪር፣ ዶክተር ቢላል እና ዶክተር ፊሊፕ ሰለስተ ዶክተር እምበር ሓደ ዶክተር ኣይኾኑን÷ግን ሓደ ዶክትሬት ይካፈሉ። ብተመሳሳሊ እግዛብሄር ኣብ፣ እግዛብሄር ወልድ እና እግዛብሄር መንፈስ ቅዱስ ሰለስተ እግዚአብሔር እምበር ሓደ እግዚአብሔር ኣይኮኑን፥ግን ሓደ እግዚአብሔርነት ይሻረኹ፦
ሰይፈ ሥላሴ ዘማክሰኞ ምዕራፍ 3 ቑፅሪ 21
"ቕዱስ፣ቕዱስ፣ቕዱስ እግዚኣብሄር ሰለስተ እንትኸውን ሓደ ፥ ሓደ እንትኸውን ሰለስተ ዝኸውን ንሱ ሓደ ቅዱስ እዩ"።

"እግዝኣብሄር ሰለስተ እንትኸውን" ዝብል ይሰመረሉ! "ሓደ ቅዱስ እዩ" ድሕሪ ምባልኹም "ሥሉሦ ቅዱስ" ማለት እውን "ሰለስተ ቅዱስ" ማለትኹም ናይ ጥዕና ድዩ? "ቕድስቲ ሥላሴ" ማለትውን "ቕዱሳት ሰለስተነት" ንምንታይ ትብሉ ? በነገራችን ላይ "ቕድስቲ" ዝብል ቃል "ቕዱሳን" "ቕዱሳት" ንዝብል ንምትካእ ዝጥቀሙሉ እዩ :-
ሃይማኖተ አበው ምዕራፍ 82 ቑፅሪ 14 "ሥሉስ ቕዱስ ዘይተፈጠሩ እዮም"
"ሰለስተ ቕዱስ" "ሓደ ቕዱስ" ዓርሱ ብ ዓርሱ ይጋጨ። ከም ናትኩም ትምርቲ ኣምላኽ ካብ ማርያም እንትውለድ ዝተወለደ ሓደ ኣምላኽ ድዩ ወይስ ኻልኣዩ ውላድ ዝኾነ ኣምላኽ ? ሓዲኡ ኣምላኽ እንተኾይኑ ኣብ እና መንፈስ ቕዱስ ምስኡ ተወሊዶም ዶ? ምኽንያቱ ማርያም ናይ መለኾት ኣዶ እያ ስለዝብል :- ሰይፈ ሥላሴ ዘእሑድ ምዕራፍ 8 ቑፅሪ 73 "ብመለኾት ኣዶ ብድንግል ማርያም"።

ኻልኣዩ እቲ ውላድ ዝኾነ ኣምላኽ እንተደኣ ኾይኑ ዘይተወለዱ ኽልተ ኣቦን መንፈስ ቅዱስን ዝኾኑ ኣምላኽ ኣለዉና ዶ ? ካብ ማርያም ዝተልዓለ ስጋ መለኾት እንትውንን ሙሉእ መለኾት ድዩ ወይስ ናይ ኣብ ተወላዲ መለኾት?
ዘሎ ኣማራፂ ሰለስተ ኣምላኽ ስለዝኾነ ብግልፂ "ኣምላኽና ብዘይምፍልላይ ሰለስተ እዩ" ኢሎም ዓሪፎምዎ:-
ሃይማኖተ አበው ምዕራፍ 99 ቑፅሪ 11
"ኣምላኽና ብዘይምፍልላይ ሰለስተ እዩ"

"ኡሲያ" οὐσία ዝብል ቃል "ሃልዎት "ኑባሬ" "ህልውና" "essence" ዝብል ትርጉም ኣለዎ፥ " ብኣካል ሰለስተ ህልውና " ምባል ናይ ጥዕና ኣይኮነን፦
ሃይማኖተ አበው ምዕራፍ 3 ቑፅሪ 22
" በኣካል ሰለስተ "ህልውና" ብመለኾት ሓደ ህልውና እዩ" ።
ብርግፅውን "ሰለስተ ንዝኸውን ኣምላኽ፣ ሰለስተ ቕዱስ፣ ሰለስተ ልኡላት፣ ሰለስተ ጌታታት፣ ሰለስተ ነገሥታት፣ ሰለስተ ገዛእቲ " ኢልኹም እንተደኣ ኣምሂርኹም ብግልፂ መድብለ ኣማልኽታውያን ኢኹም ፦ ፨ ሰይፈ ሥላሴ ዘሐሙስ ምዕራፍ 5 ቑፅሪ 22-23 "ሰለስተ ልኡላት ገዛእቲ ፥ ሰለስተ ጌታታት እዮም"።
፨ ሰይፈ ሥላሴ ዘሐሙስ ምዕራፍ 5 ቑፅሪ 26 " ሰለስተ ነገሥታት ሓደ ኣገዛዝኣ እዮም "።
፨ሰይፈ ሥላሴ ዘረቡዕ ምዕራፍ 4 ቑፅሪ 52 "እዚኦም ገዛእቲ ብገፅ ሰለስተ ብፍቓድ ሓደ እዮም።"

"ገጽ" ማለት ገፅ ማለት እዩ፥ በዓል ሰለስተ ገፅ ኣምላኽ ድማ ናይ ዓረማውያን እምበር ናይ ኣብራሃም ኣምላኽ ብፍፁም ኣይኮነን፦
ሰይፈ ሥላሴ ዘሐሙስ ምዕራፍ 5 ቑፅሪ 24 "ሰለስተ ገፅ ሓደ ኣመለኻኽታ እዮም "።
ሥላሴ ኣካሎም ዝተፈላለዮ እንተኾይኖም ኣካሎም ሓደ ዓይነት ድዩ ወይስ ዝተፈላለየ? ሓደ ዓይነት እንተኾይኑ ታይ ዓይነት ሓደ ዓይነት? እንተተፈልዮ ድማ ታይ ዓይነት ዝተፈለየ ኣካል እዩ? ገፅታኦም ሰለስተ ዓይነት ገይሩ ዝፈላለየ ገፅታ ታይ ዓይነት ገፅታ ይኾን ?
"መለኾት ሰለስተውን ሓደውን እዩ" ምባል ናይ ጥዕና ኣይኮነን፦
ሰይፈ ሥላሴ ዘቀዳሚት ምዕራፍ 7 ቑፅሪ 69 "ንመለኾት ሓድነት ምስጋና ይግባእ"። ገድለ ተኽለ ሃይማኖት 60(61)፥12" ናይ መለኾት ሰለስተነት መቖፈሪ ንልቡ #በኮሰተረው ብዝቖፈሮን ግዜ"።

1 year, 4 months ago

ንማርያም ኣምልኾ

ብሹም ኣሏህ በቲ ፍጹም ሩህሩህ በቲ ፍጹም ሓዛኒ ብዝኾነ።

5፥116 ኣላህ ድማ፡- «ናይ መርየም ውላድ ዒሳ! ንስኻ ነቶም ሰባት፡- "ንዓይን ንወላዲተይን ካብ ኣላህ ዉጪ ኣማልኽ ገይርኩም ሓዙ ኢልካ ዲኻ?» ኣብ ዝብሎ ጊዚ ኣስታውስ፡፡ وَإِذْ قَالَ اللَّهُ يَا عِيسَى ابْنَ مَرْيَمَ أَأَنتَ قُلْتَ لِلنَّاسِ اتَّخِذُونِي وَأُمِّيَ إِلَـٰهَيْنِ مِن دُونِ اللَّهِ

ንሕና ሙስሊማት፦ "ዓበይቲ ክርስትያናት ማለት ከም ኦርቶዶክስ፣ ካቶሊክን ኣንግሊካንን ንማርያም የምልኽዋ" ክንብል ከለና ብተጻራሪ ንሶም፦ "ነኽብራ ኢና እምበር ኣይነምልኻን" ኢሎም ዓይኖም ብጨው ሓጺቦም ይሕስዉ፥ ምኽንያቱም "ነምልኻ ኢና" እንተይሎም ኣምልኾ ዝግበኦ ሓደ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ባይብል ብደንቢ ሰፊሩ እዩ፦
1ይ ሳሙኤል 7፥3 ልብኹም ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፥ ንእኡ ጥራይውን ኣምልኹ።
ማቴዎስ 4፥10 ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ ንእኡ ጥራሕ ድማ ኣምልኽ።

"ንዕኡ ጥራሕ ድማ ኣምልኹ" ዝብል ጥብቂ ትእዛዝ ኣስምሩሉ! "ንዕኡ" ተባሂሉ ዝተቐመጠ ነጸላ ተስሓቢ ክንዲ ስም ንሓደ ቅዋመ ማንነት ብግልጺ ዘርእይ እዩ፥ ኣምልኾ ዝግበኦ እዚ ሓደ ማንነት ዘለዎ ጥራሕ እዩ። ነዚ ጥቕሲ እዚ ክርእዩ ከለዉ ድማ ጭራሽ ናብ ማርያም፦ "ምስ ውላድኪ ኣተዓርቕና ኢልና ኢና ንጥይቓ እምበር ናብኣ ኣይንጽልይን" ዝብል ቅጥፈት ይቐጥፉ።

፨እንትጅመር ኩሉ ፈላጢ፣ ኩሉ ሰማዒን ኩሉ ረኣዪን ሓደ ኣምላኽ እንዳሃለወ ናይ ምፍላጥ፣ ናይ ምስማዕን ናይ ምርኣይን ዉስንነት ንዘለዎ ፉጡር ኣብ ዘይህልወሉ ምልማን ኮነ ምጥያቕ ሽርኪ እዩ።

፨እንትቕጽል ናብ ማርያም ኣጸብቕ ኣቢልኩም ትጽልዩ ኢኹም፥ ናይ ኣዋልድ መጻሕፍትኹም ነዚ የረጋግጹ፦
መጽሐፈ አርጋኖን ዘሰኞ ምዕራፍ 2 ቁጽሪ 1
"ኣነ ነዚ ጸሎት ክጽሊ ከለኹ እዝንኺ ናብ ቃላት መልሓሰይ ኣዘንቢልኪ ስምዕኒ፥ ሰሚዕኺ ድማ ሸለል ኣይትበልኒ። ነቲ ዝብሎ ብንጹር ኣእምሮን ንጹህ ልቦናን ተቐበልኒ እምበር"።
ክብረ ድንግል ማርያም 1
"ንዓኣ "ደስ ይበልኪ" እናበልና ይቅርታ ንኽትገብረሉ ናብኣ ንጽልይ"።

፨ሳልሳይ ብግልጺን ብዘየሻሚ መልክዑን ንማርያም ኣምልኾ ከምዝግበኣ ኢትዮጵያዊ ቄርሎስ ተባሂሉ ዘላግጽ አባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ተዛሪቡ፦
እንዚራ ስብሐት ምዕራፍ 12 ቁጽሪ 98, "ንዓኺ ድማ ኢድ ምስጋና ከቕርበልኪ እየ፣ ብምፍራሕ ክግዝኣኪ እየ፣ ኢድ ኣምልኾ ድማ ከልዕለልኪ እየ። መስዋእቲ ኣምልኾ ከቕርበልኪ እየ"።

ናይ ኣምልኾ መስዋእቲ ክስወአሉ ዝግባእ ሓደ ኣምላኽ እንዳሃለወ ንማርያም ምስውኡ ንባዕሉ ዓይኒ ዘፍጠጠን ስኒ ዘጋህጸጸን ሽርኪ እዩ።

፨ራብዓይ ብ 376 ድሕረ-ልደት ዝተለዓሉ ኮልይሪዲያን "collyridian" ክርስትያናት እየሱስ "ቴዎስ" θεός ኢሎም ብዝበልሉ ኣፎም ንማርያም ብግልጺ "ቴአ" θεά ማለት "ኣንስተይቲ ኣምላኽ" ይብልዋ፥ ካቶሊክ፣ ኦርቶዶስ፣ አንግሊካን ንእየሱስ "ኩሪዮስ" κύριος ኢሎም ብዝበልሉ ኣፎም ንማርያም ብግልጺ "ኩሪያ" κυρία ማለት "ኣንስተይቲ ጎይታ" ይብልዋ። ኣብ ሃገርና ኦርቶዶክሳውያን ድማ ንእየሱስ "እግዚእ" ኢሎም ብዝበልሉ ኣፎም ንማርያም ብግልጺ "እግዚኢት" ማለት "ኣንስተይቲ ጎይታ" ይብልዋ፥ ንእየሱስ "እግዚኢነ" ማለት "ጎይታና" ከምቲ ዝብልዎ ንማርያም "እግዚኢትነ" ማለት "ጎይታና" ይብልዋ። "ኣምላኽ" ንዝብል ነጸላ ቓል በዝሑ "ኣማልኽ" እንትኸውን ጽያፍ ርብሒቱ "ኣምላኻት" እዩ፥ እሞ ካብዚ ንላዕሊ ንማርያም ኣምላኽ ጌርካ ምሓዝ ኣሎ ድዩ? እዚ ኣምልኾ ተዘይኮይኑ እንታይ ደኣ ይበሃል? እዚ ንማርያም ኣምልኾ ካብ ውላዳ ዝተረኸበ ትምህርቲ ስለዘይኮነ ኣምላኽና ኣሏህ ንእየሱስ፦ "ንስኻ ነቶም ሰባት፡- "ንዓይን ንወላዲተይን ካብ ኣላህ ዉጪ ኣማልኽ ገይርኩም ሓዙ ኢልካ ዲኻ?" ኢሉ ይሓቶ፦
5፥116 ኣላህ ድማ፡- «ናይ መርየም ውላድ ዒሳ! ንስኻ ነቶም ሰባት፡- "ንዓይን ንወላዲተይን ካብ ኣላህ ዉጪ ኣማልኽ ገይርኩም ሓዙ ኢልካ ዲኻ?» ኣብ ዝብሎ ጊዚ ኣስታውስ፡፡ وَإِذْ قَالَ اللَّهُ يَا عِيسَى ابْنَ مَرْيَمَ أَأَنتَ قُلْتَ لِلنَّاسِ اتَّخِذُونِي وَأُمِّيَ إِلَـٰهَيْنِ مِن دُونِ اللَّهِ

ንሱ ድማ፦ "ንጎይታይን ጎይታኹምን ኣላህ ክብሎ ዝኣዘዘኒ ቃል ካብ ምዝራብ ሓሊፈ ካሊእ ኣይበልክዎምን" በማለት መልስ ይሰጣል፦
5፥117 ንጎይታይን ጎይታኹምን ኣላህ ክብሎ ዝኣዘዘኒ ቃል ካብ ምዝራብ ሓሊፈ ካሊእ ኣይበልክዎምን፡፡ مَا قُلْتُ لَهُمْ إِلَّا مَا أَمَرْتَنِي بِهِ أَنِ اعْبُدُوا اللَّهَ رَبِّي وَرَبَّكُمْ

"አምላኽ" ዝብል ቓል "መለከ" ማለት "መለከ" ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቓል ዝመጸ እንትኾን "ዝምለኽ" ማለት እዩ። ከሣቴ ብርሃን ተሰማ የዐማርኛ መዝገበ ቃላት (2005) ገጽ 708)

ካብዚ ኣንጻር ዓበይቲ ክርስትያን ንማርያም ኣየምልኽዋን ድዮም?ከመይ ደኣ! ኣጸቢቖም እምበር የምልኽዋ። ሓደ ሰብ ንስምዒቱ ኣምላኹ ገይሩ ሒዙ ማለት ንስምዒቱ ኣምላኸይ ኢሉ ጸዊዕዎ ማለት ዘይኮነስ ንኣምላኽ ዝወሃብ ናይ ኣምልኾ ክፍሊ ንስምዒቱ ኣቐዲሙ ሂቡ ማለት እዩ፦
25፥43 ንስምዒቱ ኣምላኹ ገይሩ ዝሓዘ ሰብ ርኢኻ ዶ? ንስኻ ኣብ ልዕሊኡ ሓላዊ ትኸውን ዲኻ? أَرَأَيْتَ مَنِ اتَّخَذَ إِلَـٰهَهُ هَوَاهُ أَفَأَنتَ تَكُونُ عَلَيْهِ وَكِيلًا

ናይ ማርያም አምላኽ ገርካ ምሓዝ በዚ ሕሳብ ምርዳእ ይከኣል። ብተመሳሳሊ ጳውሎስ፦ "ከብዶም ኣምላኾም እዩ" ኢሉ፦
ፊልጵስዩስ 3፥19 መወዳእተኦም ጥፍኣት እዩ፥ ከብዶም ኣምላኾም እዩ።

እዚ ማለት ከብዶም "ኣምላኸይ" ዪሎም ጸዊዖም ማለት ዘይኮነስ ንኣምላኽ ዝወሃብ ናይ ኣምልኾ ክፍሊ ንከብዶም ኣቐዲሞም ሂቦም ማለት እዩ፥ ናይ ማርያም ኣምላኽ ገርካ ምሓዝ በዚ መለክዒ እዚ ምርዳእ ይከኣል። ኣብ ዓበይቲ ክርስትያን ኣብ ማርያም ኣምልኾ ዝተዘፈቕኩም ተሃሊኹም ሞት ከይመጸኩም ወይ ድማ ናይ ፍርዲ መዓልቲ ቅድሚ ምምጽኡ ናብ ኣሏህ ንምጥዓስ ተመለሱ!
አሏህ ሂዳያህ ይሃብኩም! ንዓና ድማ ጽንዓት ይሃበና! አሚን።

ካብ ዓቃቢ ኢስላም ወሒድ
https://t.me/wahidtigriga

ወሠላሙ ዐለይኩም

1 year, 5 months ago

2ይ ሳሙኤል 12፥8 ቤት ጐይታኻ ድማ ሀብኩኻ፡ ኣንስቲ ጐይታኻውን ኣብ ሕቚፍኻ ኣንበርኩልካ፡ ቤት እስራኤልን ይሁዳን ድማ ሀብኩኻ። እዚ እንተ ውሒዱ ኸኣ፡ ከምኡ ኻልእ ምወሰኽኩልካ ነይረ።

ነብዪ ዳዊት ንኬጢያዊ ኦርዮን ብሴፍ ቀቲሉ እታ ሰበይቱ ድማ ንባዕሉ ሰብይቱ ክትኮኖ ወሲዱ እዩ፦
2ይ ሳሙኤል12፥9 ስለምንታይ ኢኻ እቲ ኣብ እግዚኣብሄር ክፉእ ኰይኑ ዝተራእየ ኽትገብርሲ ቃሉ ንዒቕካ ንኦርዮ ብሴፍ ቀቲልካስ ንሰበይቱ ሰበይትኻ ኽትከውን ወሰድካያ፤ ንእኡ ድማ ብሴፍ ደቂ ዓሞን ቀተልካዮ።

እቲ ብጣዕሚ ዘሕዝን ድማ ንሱ ብዘጥፍኦ ጥፍኣት ኣንስቱ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ተወሲደን፤ ካብ ቤርሳቤህ ዝተወለደ ህጻን ብዘይ ወንጀሉ ክመውት ተገይሩ፦
2ይ ሳሙኤል12፥11 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ካብ ገዛኻ ክፉእ ከተስአልካ እየ፤ ነንስትኻ ኣብ ቅድሜኻ ወሲደ ንዘመድካ ክህቦ እየ፥ ንሱ ኸኣ ምስተን ኣንስትኻ ኣብ ቅድሚ እዛ ጸሓይ እዚኣ ክድቅስ እዩ።
2ይ ሳሙኤል 12፥14-15 ግናኸ በዚ ነገር እዚ ንጸላእቲ እግዚኣብሄር ኣዚኻ መላገጺ ስለ ዝሀብካዮም እቲ ተወሊዱልካ ዘሎ ወዲ ርግጽ ክመውት እዩ ኢልዎ። ናታን ከኣ ናብ ገዝኡ ተመሊሱ። እግዚኣብሄር ድማ ናይ ኦርዮ ሰበይቲ ንዳዊት ዝወለደትሉ ህጻን ቀዚፍዎ፥ ብጣዕሚ ድማ ሓሚሙ ነይሩ።

ያልተጠረጠረ ተመነጠረ፤ የተጠረጠረ አስመነጠረ።

ካብ ዓቃቢ ኢስላም ወሒድ
https://t.me/wahidtigriga

ወሠላሙ ዐለይኩም

1 year, 5 months ago

ነጥቢ ክልተ
“ዒዳህ”
“ዘይድ ድማ ምስኣ ጉዳይ ምስፈጸመ” ዝብል ይሰመረሉ፤ እዚ ናይ ዒዳህ ጊዜ እዩ፤ “ዒዳህ” عِدَّة ማለት ክልተ መጻምዲ ድሕሪ ምምርዓዎም ርክብ ገይሮም ካብኡ ዘይምስምዕማዕ፡ተተፈጢሩ ፍትሕ ንምግባር እንተሓሲቦም መጀመርያ ነፍሰ-ጹር ምዃና ንምርግጋጽ ዝጸንሕ ናይ ሰለስተ ወርሒ ጻንሒት እዩ፤ እዚ ዝተጸሓፈ ዒዳህ ጊዚኡ ክሳብ ዝኣክል ካሊእ መርዓ ንምውዕዓል ቁርጺ ሓሳብ ምግባር ክልክል እዩ፦
2፥235 ናይቲ ዝተጸሓፈ ዒዳህ ጊዚኡ ክሳብ ዝኣክል መርዓ ንምውዕዓል ቁርጺ ሓሳብ ኣይትግበሩ፡፡ ኣላህ ድማ ኣብ ነፍሱኹም ዘሎ ነገር ዝፈልጥ ምዃኑ ፍለጡ፤ ተጠንቀቕዎ ድማ፡፡ ኣላህ ድማ መሓሪ ትዕግስተኛ ምዃኑ ፍለጡ፡፡ وَلَا تَعْزِمُوا۟ عُقْدَةَ ٱلنِّكَاحِ حَتَّىٰ يَبْلُغَ ٱلْكِتَٰبُ أَجَلَهُۥ ۚ وَٱعْلَمُوٓا۟ أَنَّ ٱللَّهَ يَعْلَمُ مَا فِىٓ أَنفُسِكُمْ فَٱحْذَرُوهُ ۚ وَٱعْلَمُوٓا۟ أَنَّ ٱللَّهَ غَفُورٌ حَلِيمٌۭ
65፥1 ኣንታ ነቢዪ! * ኣንስቲ ምፍታሕ ኣብ ዝሓሰብኩም ጊዜ፤ ብዒደአን ፍትሑወን ፡፡ ዒዳ ድማ ቁጸሩ፡፡ ንኣላህ ጎይታኹም ድማ ፍርሑ፡፡ ግልጺ ዝኾነት ጸያፍ እንተሰሪሐን እምበር ካብ ገዝአን ኣይትውጽኡወን፤ ኣይውጸኣ 'ዉን። እዚኣ ድማ ናይ ኣላህ ሕጊ እያ፡፡ ናይ ኣላህ ሕጊ ዝተሓላለፈ ሰብ ብርግጽ ነፍሱ በዲሉ፡፡ ድሕሪ እዚ ፍትሕ ኣላህ ናይ ምምላስ ነገር ምናልባት ከምጽእ ምኻኑ ኣይፍለጥን፡፡ يَٰٓأَيُّهَا ٱلنَّبِىُّ إِذَا طَلَّقْتُمُ ٱلنِّسَآءَ فَطَلِّقُوهُنَّ لِعِدَّتِهِنَّ وَأَحْصُوا۟ ٱلْعِدَّةَ ۖ وَٱتَّقُوا۟ ٱللَّهَ رَبَّكُمْ ۖ لَا تُخْرِجُوهُنَّ مِنۢ بُيُوتِهِنَّ وَلَا يَخْرُجْنَ إِلَّآ أَن يَأْتِينَ بِفَٰحِشَةٍۢ مُّبَيِّنَةٍۢ ۚ وَتِلْكَ حُدُودُ ٱللَّهِ ۚ وَمَن يَتَعَدَّ حُدُودَ ٱللَّهِ فَقَدْ ظَلَمَ نَفْسَهُۥ ۚ لَا تَدْرِى لَعَلَّ ٱللَّهَ يُحْدِثُ بَعْدَ ذَٰلِكَ أَمْرًۭا
#65፥4 እነዚያም ከሴቶቻቸው ከአደፍ ያቋረጡት ብትጠራጠሩ
ዒዳቸው ሦስት ወር ነው*፡፡ وَٱلَّٰٓـِٔى يَئِسْنَ مِنَ ٱلْمَحِيضِ مِن نِّسَآئِكُمْ إِنِ ٱرْتَبْتُمْ فَعِدَّتُهُنَّ ثَلَٰثَةُ أَشْهُرٍۢ

ዘይድ ኢብኑ ሓሪሳህ ምስ በዓልቲ ገዝኡ ዘይነብ ቢንት ጀሕሽ እዚ ናይ ዒዳህ ጊዜ ምስተወደአ ተፋቲሖም፤ ኣብዚ ጊዜ ኣብ ናይ ኣዕራብ ባህሊ ናይ ዘዕበይዎ ውላድ ሰበይቲ ምስ ተፋተሐ ንዓዓ ምምርዓው ነውሪ እዩ ኢሎም ስለዝሓስቡ ነብዪና ”ﷺ” እናፈተውዋ እቲ ማሕበረሰብ እንታይ ይብለኒ ብዝብል እንትፈርሑ ኣላህ ኣብ ልዕሊ ምእመናን ውላድ ገይሮም ኣብ ዘጸገዑዎም ሰባት ኣንስቲ ካብኣተን ናይ ዒደአን ጊዜ ምስ ፈጸማ ምምርዓው ጸገም ከይህልዎም ንነብዪና ”ﷺ” ምስ ዘይነብ ቢንት ጀሕሽ ወሊይ ብምዃን ኣመርዒዎም፤ ነዚ እዩ ድማ ኣላህ፦ “ኣብ ልዕሊ ምእመናን ውላድ ገይሮም ኣብ ዘጸገዑዎም ሰባት ኣንስቲ ምስአን ጉዳይ ምስ ፈጸሙ ንምምርዓው ጸገም ከይህልዎም ንዓዓ ኣመርዒናካ” ዝበሎ፤ ንሳ ድማ፦ “ንዓኻትክን ቤተሰባትክን ኣመርዔሙኹን፤ ንዓይ ግን ኣብ ልዕሊ ሸውዓተ ሰማያት ዘሎ ኣላህ ኣመርዒኒ” ዝበለት።

ነጥቢ ሰለስተ
“ዕባይ”
ኣላህ ሓደ ሰብ ናይ ውላዱ ሰበይቲ ምምርዓው ሓረም ከም ዝኾነ እንትዛረብ፦ “ናይ እቶም ካብ ሕቖታትኩም ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮ ውላዳትኩም ኣንስቲ ሓራም እዩ” ኢሉ፦
4፥23 ናይ እቶም ካብ ሕቖታትኩም ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮ ውላዳትኩም ኣንስቲ፣ ኣብ መንጎ ክልተ ኣሕዋት(ደቂ ኣንስትዮ) ምስብሳብ እዉን ሓራም እዩ፡፡ ግን ናይ ብቕድሚ እዚ ዝሓለፈ ክተርፍ እንከሎ ንሱ ተማሒርኩም ኢኹም፤ ኣላህ መሓሪ ሓዛኒ እዩ፡፡ وَحَلَٰٓئِلُ أَبْنَآئِكُمُ ٱلَّذِينَ مِنْ أَصْلَٰبِكُمْ وَأَن تَجْمَعُوا۟ بَيْنَ ٱلْأُخْتَيْنِ إِلَّا مَا قَدْ سَلَفَ ۗ إِنَّ ٱللَّهَ كَانَ غَفُورًۭا رَّحِيمًۭا

ነብዪና ”ﷺ” ንዘይድ ኢብኑ ሓሪሳህ ብዕድመ ዝበልጽዎ ብኣርባዕተ ዓመት ጥራሕ እዩ፤ ውላድ ክኸውን ኣይክእልን። ኣላህ ኣብቲ ዝተኸበረ ቃሉ ዘዕበኹሞዎ ቆልዓ ካብ ሕቖ ከም ዝተረኸበ ውላድ ገይሩ ኣይገበሮን፤ ብመዕበይኡ ሽም ኣቦነት ምጽዋዕ እዉን ክልክል እዩ፤ ብዝወለድዎም ኣቦታት ሽም ምጽዋዕ ወይ ወለዶም እንተዘተፈሊጦም ናይ ሃይማኖት የሕዋትን ዘመድን እዮም፦
33፥4 ውላድ ብምግባር ንተጸግዕዎም ውላዳትኩም ኣይገበረን፡፡ እዚ ብኣፍኩም ትብልዎ እዩ፡፡ ኣላህ ድማ እቲ ሓቂ ይዛረብ፡፡ ንሱ እዉን ትኽክለኛ መንገዲ ይመርሕ፡፡ وَمَا جَعَلَ أَدْعِيَآءَكُمْ أَبْنَآءَكُمْ ۚ ذَٰلِكُمْ قَوْلُكُم بِأَفْوَٰهِكُمْ ۖ وَٱللَّهُ يَقُولُ ٱلْحَقَّ وَهُوَ يَهْدِى ٱلسَّبِيلَ
33፥5 ናብ ኣቦታቶም ብምጽጋዕ ጸውዕዎም፡፡ ንሱ ኣብ እንዳ ኣላህ ትኽክለኛ እዩ፤ ኣቦታቶም ተዘይፈለጥክምዎም ኣብ ሃይማኖት የሕዋትኩምን ዘመድኩምን እዮም፡፡ ብኡ ዝተጋገኹምዎ ነገር ኣብ ልዕሌኹም ሓጥያት የብልኩምን፡፡ ግን ልብኹም ፈሊጡ ብዝሰርሖ ሓጥያት ኣለኩም፤ ኣላህ ድማ መሓሪ ሓዛኒ እዩ። ٱدْعُوهُمْ لِـَٔابَآئِهِمْ هُوَ أَقْسَطُ عِندَ ٱللَّهِ ۚ فَإِن لَّمْ تَعْلَمُوٓا۟ ءَابَآءَهُمْ فَإِخْوَٰنُكُمْ فِى ٱلدِّينِ وَمَوَٰلِيكُمْ ۚ وَلَيْسَ عَلَيْكُمْ جُنَاحٌۭ فِيمَآ أَخْطَأْتُم بِهِۦ وَلَٰكِن مَّا تَعَمَّدَتْ قُلُوبُكُمْ ۚ وَكَانَ ٱللَّهُ غَفُورًۭا رَّحِيمًا

ኣላህ “ዘይድ ድማ ምስኣ ናይ ዒዳህ ጊዚኣ ምስወደአት ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ዘዕብይዎም ውላዳት ኣንስቲ ምስኣተን ዒደአን ምስወደኣ ንምምርዓው ጸገም ንኸይህልዎም ንዓዓ ኣመርዒዎም” ነብዪና”ﷺ” ካብ ኣወዳትኩም ዋላ ናይ ሓደ ሰብ ኣቦ ኣይኮኑን ። ነገር ግን ናይ ኣላህ መልእኽተኛን ናይ ነብይታት መወዳእታን እዮም፦
33፥40 ሙሓመድ ካብ ኣወዳትኩም ዋላ ናይ ሓደ ሰብ ኣቦ ኣይኮኑን ። ነገር ግን ናይ ኣላህ መልእኽተኛን ናይ ነብይታት መወዳእታን እዮም፡፡ ኣላህ ድማ ኣብ ኩሉ ነገር ፈላጢ እዩ፡፡ مَّا كَانَ مُحَمَّدٌ أَبَآ أَحَدٍۢ مِّن رِّجَالِكُمْ وَلَٰكِن رَّسُولَ ٱللَّهِ وَخَاتَمَ ٱلنَّبِيِّـۧنَ ۗ وَكَانَ ٱللَّهُ بِكُلِّ شَىْءٍ عَلِيمًۭا

መደምደሚ
እንታይ እዩ ጸገሙ? ዝተፈተሐት ሰበይቲ ኣይትመርዓዉ ድዩ? ካብ መጀመርዩኡ ዘይድ ኢብኑ ሓሪሳህ ኣብ ናይ ነብዩ”ﷺ” መጀመርታ ሰበይቲ ባርያ ኮይኑ እንከሎ ነብዪና ”ﷺ” ሓራ ብምውጻእ ኣብ ልዕሊኡ ዝለገሱሉ ሰብ እምበር ውላዶም መዓዝ ኮይኑ? ቀጺሉ እዉን ናይ ዒዳህ ጊዜኦም ወዲኦም ተፋቲሖም እይኮኑን ድዮም? ወይስ ኣብ ናይ ባዕልኹም ባይብል እግዚኣብሔር ንናቱ ነብዪ ናይ ሰብ ኣንስቲ ከም ዝሃቦ ዘይምንባብኩም ድዩ? እግዚኣብሔር ንነብዪ ዳዊት ናይ ጎይትኡ ናይ ሳኦል ኣንስቲ ናብ ሕቕፊኡ ሂብዎ፤ ብዝሰፈርዎ መስፈሪ ምስፋር”double standard” ዝብሉኻ ከምዚ እዩ፦

1 year, 5 months ago

ሓጨጭቲ

ብሹም ኣሏህ በቲ ፍጹም ሩህሩህ በቲ ፍጹም ሓዛኒ ብዝኾነ።

18፥106 እቲ ነገር እዚ እዩ፡፡ ብኽሕደቶም ዓንቀጻተይን መልእኽተኛታተይን መሐጨጪ ገይሮም ብምሓዞም ቅጽዓቶም ገሃነም እዩ፡፡ ذَٰلِكَ جَزَآؤُهُمْ جَهَنَّمُ بِمَا كَفَرُوا۟ وَٱتَّخَذُوٓا۟ ءَايَٰتِى وَرُسُلِى هُزُوًا

መእተዊ
ብዛዕባ ነብዪና ”ﷺ” ዝዛረቡ ታሪኻት #በድልብና #በግልብ ንቕበሎም ዘይኮነስ ሰሒሕ ካብ ዝኾኑ ሓዲሳት ሪዋያህ ክርከብ ኣለዎ፤ ናይ ማእኸላይ ምብራቕ ጥንተ-ነገር መጽነዕቲ ”Orientalists”፣ ምዕራባውያን ኮኑ ሚሽነሪታት ካብ ሊቅ ክሳብ ንእሽተይ መውዱዕ ቂሷታት ሽፋን ገይሮም ነቲ ድብዙዝ ነገር  ብዘይምንም ከልካሊ ከም ተዛማቲ ሕማም ኣብ ዓለምና የስፋሕፍሑ፤ እዚኦም ናብ ኢስላም ጸለሎ ቀባእቲ ንነብዪና”ﷺ” “ናይ ውላዱ ሰበይቲ የሕዲጉ ተመርዕዩ” ወሊአዑዙቢላህ! ኢሎም ብዘይተረጋገጸ ናይ ቡና ወረ ክሕጭጩ ምስማዕ ብጣዕሚ የሕምም፤ በዚ ሕጫጨ እዚ ሕጂ ምሕጫጮም ኣይገርምን፤ ነብዪና”ﷺ” ነብዪ ኮይኖም ኣብ ዝተለኣኹሉ ግዜ ዝነበሩ ሰባት ዝተፈላለየ ሕጫጨ ይሕጭጩ ነይሮም፤ ነዚ ኾነ ንዝኾነ ይኹን ሕጫጨ ኣላህ ምሉእ ብምሉእ ብዛዕባ እቲ ዝለኣኾ ነብዪ እኹል መልሲ ሂቡ እዩ፤ ሓጨጭቲ ብኽሕደታቶም ዓንቀጻቱን መልእኽተኝኡን መሐጨጪ ገይሮም ብምሓዞም ክፍሊቶም ገሃነም እዩ፦
15፥95 ንሓጨጭቲ ኹሉ ንሕና ኣኺልናልካ፡፡ إِنَّا كَفَيْنَٰكَ ٱلْمُسْتَهْزِءِينَ
18፥106 እቲ ነገር ከምዚ እዩ፡፡ ብኽሕደቶም ዓንቀጻተይን መልእኽተኛታተይን መሐጨጪ ገይሮም ብምሓዞም ቅጽዓቶም ገሃነም እዩ፡፡ ذَٰلِكَ جَزَآؤُهُمْ جَهَنَّمُ بِمَا كَفَرُوا۟ وَٱتَّخَذُوٓا۟ ءَايَٰتِى وَرُسُلِى هُزُوًا

እሞ ምሕጫጭ ንምንታይ ኣድልዩ? ንምዃኑ እዚ ዓንቀጽ ናይ ብሓቂ ነብዪና ”ﷺ” ናይ ውላዶም ሰበይቲ የሕዲጎም ተመርዕዮም ይብል ድዩ? እስቲ እዚ ዓንቀጽ ብበሊሕን ርጉእን ኣእምሮ ነስተንትኖ፦
33፥37 ስለዚ ድማ ነቲ ኣላህ ኣብ ልዕሊኡ ዝለገሰሉን ንስኻ እውን ነጻ ብምውጻእ ዝለገስካሉን ሰብ ኣላህ ገላጺኡ ዝኾነ ነገር ኣብ ነፍስኻ ትሓብእ ኣላህ ዝበለጸ ክትፈርሕ ዝግባእ እንትኾን ንሰባት ትፈርሕ ኾንካ «ሰበይትኻ ምሳኻ ሓዛ፤ ካብ ምፍታሕ ኣላህ ፍራሕ» ኣብ ትብለሉ ጊዜ ዘክር። ዘይድ ድማ ምስኣ ጉዳይ ምስፈጸመ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ውላድ ገይሮም ዘጸግዕዎም ሰባት ኣንስቶም ምስኣተን ጉዳይ ምስፈጸሙ ንምምርዓው ጸገም ንኸይህልዎም ንዓዓ ኣመርዒናካ። ናይ ኣላህ ትእዛዝ ድማ ተፈጻሚ እዩ። وَإِذْ تَقُولُ لِلَّذِىٓ أَنْعَمَ ٱللَّهُ عَلَيْهِ وَأَنْعَمْتَ عَلَيْهِ أَمْسِكْ عَلَيْكَ زَوْجَكَ وَٱتَّقِ ٱللَّهَ وَتُخْفِى فِى نَفْسِكَ مَا ٱللَّهُ مُبْدِيهِ وَتَخْشَى ٱلنَّاسَ وَٱللَّهُ أَحَقُّ أَن تَخْشَىٰهُ ۖ فَلَمَّا قَضَىٰ زَيْدٌۭ مِّنْهَا وَطَرًۭا زَوَّجْنَٰكَهَا لِكَىْ لَا يَكُونَ عَلَى ٱلْمُؤْمِنِينَ حَرَجٌۭ فِىٓ أَزْوَٰجِ أَدْعِيَآئِهِمْ إِذَا قَضَوْا۟ مِنْهُنَّ وَطَرًۭا ۚ وَكَانَ أَمْرُ ٱللَّهِ مَفْعُولًۭا

ነጥቢ ሓደ
“ዘይድ”
ዘይድ ኢብኑ ሓሪሳህ”ረ.ዐ” ኣላህ ሂዳያ ብምሃብ ዝለገሰሉን ምስ ናይ ነብዪ”ﷺ” መጀመርያ ሰበይቲ ናይ ከዲጃህ”ረ.ዐ.” ባርያ ኮይኑ እንከሎ ነብዪና ”ﷺ” ነጻ ብምውጻእ ኣብ ልዕሊኡ ዝለገሱሉ ሰብ እዩ፤ እዚ ሰሓባ ነብዪና ”ﷺ” ዘዕበይዎ ቆልዓ እዩ፤ እዚ ሰሓባ ዘይነብ ቢንት ጀሕሽ”ረ.ዐ” እትበሃል ሰበይቲ ነይራቶ፤ ኣብ መንጎኦም ብዝነበረ ዘይምርድዳእ ብዛዕባ ምፍታሕ ክዛረብ እንከሎ ነብዪና”ﷺ”፦ “ሰበይትኻ ምሳኻ ሓዛ፤ ካብ ምፍታሕ ኣላህ ፍራሕ” ኢሎምዎ፤ ናይዚ ዓንቀጽ ሰበበል ኑዙል ኢማም ቡኻሪይ ከምዚ ኢሎም ዘጊቦምዎ፦
ኢማም ቡኻሪይ መጽሐፍ 97 ሓዲስ 48
አነሥ ኢብኑ ማሊክ ከም ዝተረኾ፦ ዘይድ ኢብኑ ሓሪሳህ ናብ ነብዪ”ﷺ” መጺኡ ብዛዕባ ሰበይቱ ጥርዓን ኣቕሪቡጥቶ፤ ነብዪ”ﷺ”፦ “ሰበይትኻ ምሳኻ ሓዛ፤ ካብ ምፍታሕ ኣላህ ፍራሕ” ኢሎምዎ፤ ዓኢሻ ድማ ኢላ፦ ናይ ኣላህ መልእክተኛ”ﷺ”  ዝሓብእዎ ምንም ነገር እንተሃልዩ እዚ ዓንቀጽ እዚ እዩ፤ ዘይነብ ኣብ ቅድሚ ናይ ነብዪ”ﷺ” ኣንስቲ ብኹርዓት፦ “ንዓኹም ቤተሰባትክን ኣመርዔሙኽን፤ ንዓይ ግን ኣብ ልዕሊ ሸውዓተ ሰማያት ዘሎ ኣላህ ኣመርዒኒእኔን” እናበለት ትዛረብ ነይራ፤ ሳቢት ድማ፦ “ኣላህ ገላጺኡ ዝኾነ ነገር ኣብ ነፍስኻ ትሓብእን ኣላህ ዝበለጸ ክትፈርሕ ዝግባእ እንትኾን ንሰባት ትፈርሕ ኾንካ” ዝብል ዓንቀጽ አንቢቡ፤ እዚ ዓንቀጽ ዝወረደ ብዘይነብን ዘይድ ኢብኑ ሓሪሳን ጉዳይ እዩ። عَنْ أَنَسٍ، قَالَ جَاءَ زَيْدُ بْنُ حَارِثَةَ يَشْكُو فَجَعَلَ النَّبِيُّ صلى الله عليه وسلم يَقُولُ ‏”‏ اتَّقِ اللَّهَ، وَأَمْسِكْ عَلَيْكَ زَوْجَكَ ‏”‌‏.‏ قَالَتْ عَائِشَةُ لَوْ كَانَ رَسُولُ اللَّهِ صلى الله عليه وسلم كَاتِمًا شَيْئًا لَكَتَمَ هَذِهِ‏.‏ قَالَ فَكَانَتْ زَيْنَبُ تَفْخَرُ عَلَى أَزْوَاجِ النَّبِيِّ صلى الله عليه وسلم تَقُولُ زَوَّجَكُنَّ أَهَالِيكُنَّ، وَزَوَّجَنِي اللَّهُ تَعَالَى مِنْ فَوْقِ سَبْعِ سَمَوَاتٍ‏.‏ وَعَنْ ثَابِتٍ ‏{‏وَتُخْفِي فِي نَفْسِكَ مَا اللَّهُ مُبْدِيهِ وَتَخْشَى النَّاسَ‏}‏ نَزَلَتْ فِي شَأْنِ زَيْنَبَ وَزَيْدِ بْنِ

ዘይድ ኢብኑ ሓሪሳህ ንዘይነብ ቢንት ጀሕሽ ዘመርዕውዎም ነብዪና ”ﷺ” እዮም እምበር ቤተሰባ ኣይደለዩን፤ እቶም መልእኽተኛ ዝሃቡና ዝኾነ ይኹን ነገር ንሕዝ፤ ካብኡ ዝኸልከሉና ነገር ድማ ንኽልከል፤ እቶም መልእኽተኛ ዝኾነ ነገር ኣብ ዝፈርዱሉ ጊዜ ንምእመናንን ንምእመናትን ካብቲ ነገር ንዐኦም ምርጫ ክህልዎም ኣይግባእን፤ “ሰበይትኻ ምሳኻ ሓዝ፤ ካብ ምፍታሕ ድማ ናላህ ፍራሕ” ምባሎም ግቡእ እዩ፦
33፥36 ኣላህን መልእኽተኛን ሓደ ነገር ኣብ ዝፈረዱ ጊዜ ንምእመናንን ንምእመናትን ካብቲ ነገሮም ንዐኦም ምርጫ ክህልዎም ኣይግባእን! ናይ ኣላህን ናይ መልእኽተኛን ትእዛዝ ዝጠሓሰ ሰብ ግልጺ ዝኾነ ምግጋይ ብርግጽ ተጋግዩ፡፡ وَمَا كَانَ لِمُؤْمِنٍۢ وَلَا مُؤْمِنَةٍ إِذَا قَضَى ٱللَّهُ وَرَسُولُهُۥٓ أَمْرًا أَن يَكُونَ لَهُمُ ٱلْخِيَرَةُ مِنْ أَمْرِهِمْ ۗ وَمَن يَعْصِ ٱللَّهَ وَرَسُولَهُۥ فَقَدْ ضَلَّ ضَلَٰلًۭا مُّبِينًۭا
59፥7 እቶም መልእኽተኛ ዝሃቡኹም ዝኾነ ይኹን ነገር ሓዝዎ፡፡ ካብኡ ዝኸልከሉኹም ነገር ድማ ተኸልከሉ፡፡ ንኣላህ ድማ ፍርሑ፡፡ ኣላህ በዓል ብርቱዕ ቅጽዓት እዩ፡፡ وَمَآ ءَاتَىٰكُمُ ٱلرَّسُولُ فَخُذُوهُ وَمَا نَهَىٰكُمْ عَنْهُ فَٱنتَهُوا۟ ۚ وَٱتَّقُوا۟ ٱللَّهَ ۖ إِنَّ ٱللَّهَ شَدِيدُ ٱلْعِقَابِ

We recommend to visit

Welcome To Amharic films

Best Place To find Amharic Movies

አዳዲስ እና የድሮ አማርኛ ፊልሞችን እና አማርኛ ተከታታይ ድራማዎችን ለማግኝት ቻናላችንን Join ይበሉ ።
Share:- @Amharic_Films

ለማስታወቂያ - @Abusheymc & @Alpha6249

Buy ads: https://telega.io/c/Amharic_films

Last updated 1 год, 6 месяцев назад

ስለ መድፈኞቹ የሚወጡ መረጃዎች ለማግኘት የትም መሄድ አያስፈልግም

- የዝዉዉር ዜና
- የአሰልጣኞች አስተያየት
- የተጨዋቾች የህይወት ታሪክ
- ጨዋታዎችን በቀጥታ ስርጭት

ለማስታወቂያ ስራ  --> @Aymu_xo

Last updated 1 месяц назад

╔╦╦═╦╔╦═╦═╦═╗
║ እንኳን ደህና መጡ | |
╚══╩═╩═╩╩╩╩═╝
➟ እንኳን ወደ ትልቁ የሊቨርፑል ( መርሲሳይድ) ቻናል በደህና መጡ ።
◉ ስለ ሊቨርፑል ◉
🔴 ዝውውሮች

🔴 ውጤቶች

🔴 የጨዋታ ፕሮግራሞች

🔴 እንዲሁም የተጨዋቾች ግለ ታሪክ

🔴 ጨዋታዎችን በቀጥታ ወደናንተ የምናደርስ ይሆናል።

Owner:- @hackersolo0⭐️

Last updated 2 недели, 1 день назад