Welcome To Amharic films Best Place To find Amharic Movies
አዳዲስ እና የድሮ አማርኛ ፊልሞችን እና አማርኛ ተከታታይ ድራማዎችን ለማግኝት ቻናላችንን Join ይበሉ ።
Share:- @Amharic_Films
ለማስታወቂያ - @Abusheymc & @Alpha6249
Buy ads: https://telega.io/c/Amharic_films
Last updated 1 year, 8 months ago
ስለ መድፈኞቹ የሚወጡ መረጃዎች ለማግኘት የትም መሄድ አያስፈልግም
- የዝዉዉር ዜና
- የአሰልጣኞች አስተያየት
- የተጨዋቾች የህይወት ታሪክ
- ጨዋታዎችን በቀጥታ ስርጭት
ለማስታወቂያ ስራ --> @Aymu_xo
Last updated 3 weeks, 1 day ago
╔╦╦═╦╔╦═╦═╦═╗
║ እንኳን ደህና መጡ | |
╚══╩═╩═╩╩╩╩═╝
➟ እንኳን ወደ ትልቁ የሊቨርፑል ( መርሲሳይድ) ቻናል በደህና መጡ ።
◉ ስለ ሊቨርፑል ◉
? ዝውውሮች
? ውጤቶች
? የጨዋታ ፕሮግራሞች
? እንዲሁም የተጨዋቾች ግለ ታሪክ
? ጨዋታዎችን በቀጥታ ወደናንተ የምናደርስ ይሆናል።
Owner:- @hackersolo0⭐️
Last updated 2 months, 2 weeks ago
ዘይበልዕ ኣምላኽ
ብናይ ኣሏህ ሽም በቲ ኣዝዩ ርሕሩሕ ኣዝዩ ራሕራሒ ዝኾነ
قُلْ أَغَيْرَ اللَّهِ أَتَّخِذُ وَلِيًّا فَاطِرِ السَّمَاوَاتِ وَالْأَرْضِ وَهُوَ يُطْعِمُ وَلَا يُطْعَمُ
"ብዘይካ ሰማያትን ምድርን ፈጣሪ ዝኾነ፡ አላህ ንሱ ዝምግብ፣ ዘይምገብ ዝኾነ አምላኽ ወፃኢ ኻሊእ አምላኽ አይሕዝን "ኢልካ ንገሮም።
[📗አል አንዓም 6፡14]
➸ ኣምላኽና ኣላህ ጂንና(አጋንንቲና) ሰብን ዝፈጠረ ንዕኡ ንከምልኹ ጥራይ እዩ፤
ومَا خَلَقْتُ الْجِنَّ وَالْإِنسَ إِلَّا لِيَعْبُدُونِ
ንጂንን(ንአጋንንቲን) ሰብን ብዘይካ ንዓይ ንምምላኽ ንኻልእ ኣይፈጠርኩዎምን።
📗አዝዛሪያት 51:56
ኣላህ ካብቲ ዝፈጠሮ ጂን ወይ ሰብ ዝኾነ ሽሻይ ኣይደልን እዩ፣ ክምግቡዎ እውን አይደልይን እዩ። ብእኡ(ብአላህ) ናይ ምምጋብ(ምብላዕ) ባህሪ የብሉን።
ما أُرِيدُ مِنْهُم مِّن رِّزْقٍ وَمَا أُرِيدُ أَن يُطْعِمُونِ
ካባአቶም ከዓ ዋላ ሓንቲ ሽሻይ ኣይደልን እየ። ክምግቡኒ እውን ኣይደልን እየ።
📗አዝዛሪያት 51:57
قُلْ أَغَيْرَ اللَّهِ أَتَّخِذُ وَلِيًّا فَاطِرِ السَّمَاوَاتِ وَالْأَرْضِ وَهُوَ يُطْعِمُ وَلَا يُطْعَمُ
ብዘይካ ሰማያትን ምድርን ፈጣሪ ዝኾነ፡ አላህ ንሱ ዝምግብ፣ ዘይምገብ ዝኾነ አምላኽ ወፃኢ ኻሊእ አምላኽ አይሕዝን "ኢልካ ንገሮም።
📗አልአንዓም 6፡14
ኣላህ እቲ ዝምግብ እና ዘይምገብ(ዘይበልዕ) አምላኽ እዩ ዝብል ይሰመረሉ! ብኣንጻሩ መሲሕ ኢየሱስ ናይ አላህ ልኡኽ እዩ ፣ ኣዲኡ ማርያም ድማ አዝያ ጻድቕ እያ።👇
مَّا الْمَسِيحُ ابْنُ مَرْيَمَ إِلَّا رَسُولٌ قَدْ خَلَتْ مِن قَبْلِهِ الرُّسُلُ وَأُمُّهُ صِدِّيقَةٌ
መሲሕ ወዲ ማርያም፡ ብሓቂ ካብቶም ዝሓለፉ ልኡኻት ሐደ ልኡኽ እምበር ካልእ ኣይኰነን።አዲኡ(ማርያም) ድማ ኣዝያ ሓቀኛ እያ።[📗አልማኢዳህ5፡75]
- ማርያምና ወዳ መሲሕ ኢየሱስ ኽልቲኦም ምግቢ ይበልዑ ነይሮም።👇
كانا يَأْكُلَانِ الطَّعَامَ ۗ انظُرْ كَيْفَ نُبَيِّنُ لَهُمُ الْآيَاتِ ثُمَّ انظُرْ أَنَّىٰ يُؤْفَكُونَ
ክልቲኦም ምግቢ ይበልዑ ነይሮም፡ (ንቶም ከሐድቲ) ከመይ ጌርና ጥቕስታት ከም ዝገለጽናሎም ርአ! ድሕሪኡ ከመይ ጌሮም ካብ ሓቂ ከም ዝምለሱ ርአ።
[📗አልማኢዳህ 5:75]
➸መሲሕ ኢየሱስ ምግቢ ዝምገብ(ዝበልዕ) እንተ ዀይኑ፡ ናይ መሲሕ እየሱስ ፈጣሪ አላህ ድማ ዘይምገብ(ዘይበልዕ) እንተኾይኑ
እቲ ፍጡር ዝኾነ ዝበልዕ መሲሕ ኢየሱስ ከመይ ኢሉ እዩ እቲ ዘይምገብ(ዘይበልዕ) ሐደ አምላኽ ክኸውን ይኽእል? (ብፍፁም አይኸውንን)
➸ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እውን እንተዀነ፡ እቲ ንፍጥረት ዝምግብ(ዘብልዕ) ሓደ ኣምላኽ ዝበልዕን ዝሰትን ብፍፁም አይኾነን።👇
ኣነዶ ስጋ ዝራብዓት እበልዕ? ደም ዲቤላታትሲ እሰቲ ድየ?
📕መዝሙረ ዳዊት 50:13
Will I eat the flesh of bulls, or drink the blood of goats?
ኣነዶ ስጋ ዝራብዓት እበልዕ? ደም ዲቤላታትሲ እሰቲ ድየ?
ዝብል ሕቶ "አይበልዕን አይሰትይን" ዝብል መልእኽቲ አለዎ።
➸ እዚ ዘይበልዕን ዘይሰትን ኣምላኽ ብሰዋስው ካብቲ ዝበልዕን ዝሰትን ሰብ ተፈልዩ ተቐሚጡሎ ፤👇****
ንሱ ምስ ወጸ፡ ሽዑ ኢየሱስ በለ፥ ሕጂ ወዲ ሰብ ከበረ፡ ኣምላኽውን ኣብኡ ኸበረ።
📗ወንጌል ዮሐንስ 13:31
Ὅτε οὖν ἐξῆλθεν, λέγει Ἰησοῦς Νῦν ἐδοξάσθη ὁ Υἱὸς τοῦ ἀνθρώπου, καὶ ὁ Θεὸς ἐδοξάσθη ἐν αὐτῷ·
ወዲ ሰብ" ን "ኣምላኽን" ክልተ ዝተፈላለየ ባህርን መንነትን ስለ ዝኾኑ፡ አምላኽ ዘኽብር፣ ወዲ ሰብ ዝኾነ ኢየሱስ ድማ ዝኽበር ኽቡር እዩ፤👇
ኣምላኽ ኣብኡ ኻብ ከበረ፡ ኣምላኽ ኸኣ ኣብ ርእሱ ኬኽብሮ እዩ፡ ቀልጢፉውን ኬኽብሮ እዩ።
📕ወንጌል ዮሐንስ 13:32
εἰ ὁ Θεὸς ἐδοξάσθη ἐν αὐτῷ, καὶ ὁ Θεὸς δοξάσει αὐτὸν ἐν αὑτῷ, καὶ εὐθὺς δοξάσει αὐτόν.
➸ወዲ ሰብ" ብዝብል ቃል "ሰብ" ዝተብሃለት ድንግል ማርያም ክትኸውን ተላ፡ ወዳ ድማ ፍጡር ስለ ዝኾነ ይጠሚን ይፀምእን እዩ ከምኡ ውን ይበልዕን ይሰትን እዩ።
ኢየሱስ እናበልዐ እና እናሰተየ ዝመፅአ እዩ👇 ወዲ ሰብ መጸ፡ ይበልዕ ይሰቲ፡ እንሆ በላዕን ሰታይ ወይንን ዓርኪ ተገውትን ሓጥኣንን፡ ይብሉ። ጥበብ ብደቃ ጸደቐት።
📕ወንጌል ማቴዎስ 11:19
ናይ ምብላዕን ምስታይን ባህሪ ዘለዎ ሰብ ድማ ሽቓቕ ናይ ምኻድን ምሻንን ባህሪ ኣለዎ
ነቲ ዝበልዖን ዝሰትዮን ድማ ካብ ኣካላትና የውጽኦ።👇
ብኣፍ ዚኣቱ ዘበለ ናብ ከብዲ ኸም ዚወርድ እሞ ንግዳም ከም ዚወጽእዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧
📕ወንጌል ማቴዎስ 15:17
ኢየሱስ ናብ ሽቓቕ(ሽንት ቤት) ክኸይድ ከሎ ሓደ ሰብ መጺኡ እንተ ኳሕኲሑዎ "ሰብ ኣሎ" እምበር "ኣምላኽ ኣሎ" ወይ "ሰብን ኣምላኽን ኣሎ" አይብልን።
ስለዚ መሲሕ ኢየሱስ ዘይበልዕ ኣምላኽ ዘይኮነስ ብፈጣሪ ሽሻይ ዝበልዕ ፍጡር እዩ።
ኣቱም ክርስትያን! ከምዚ ከማኹም ዝምገብ(ዝበልዕ) ፍጡር ምምላኽ ገዲፍኩም ንዘይምግብ መጋቢ ዝኾነ ኣምላኽ ክተምልኹ ፃውዒትና እዩ።
አብ መጋቢነቱ ናይ ምምጋብ(ምብላዕ) ባህሪ ዘይብሉ ኣላህ ሂዳያ ይሃበኩም! ንዓና ድማ ፅንዓት ይሃበና! ኣሚን።
✍ካብ ዐቃቢ ኢሥላም ወሒድ
https://t.me/Wahidcom
ወሠላሙ ዐለይኩም
ዘይመውት ኣምላኽ
ብናይ ኣሏህ ሽም በቲ ኣዝዩ ርሕሩሕ ኣዝዩ ራሕራሒ ዝኾነ
وَتَوَكَّلْ عَلَى الْحَيِّ الَّذِي لَا يَمُوتُ
በቲ ዘይመውት ሕያው አምላኽ ድማ ተፀጋዕ(ተደገፍ)
[📗 አል ፉርቃን 25:58]
➸ኣምላኽና ኣላህ ብዛዕባኡ ክዛረብ ከሎ ብ ሳልሳይ ምድብ
"ዘይመውት ህያው ኣምላኽ"
እናበለ ኣብ ህይወቱ ሞት ከምዘየለ ይዛረብ።
وَتَوَكَّلْ عَلَى الْحَيِّ الَّذِي لَا يَمُوتُ
በቲ ዘይመውት ሕያው አምላኽ ድማ ተፀጋዕ(ተደገፍ)
[📗 አል ፉርቃን 25:58]
➸ አብ መፅሐፍ ቅዱስ እውን እንተኾነ ማንም ዘይረአዮ ዘይመውት አምላኽ ሓደ ጥራይ እዩ ዘሎ። ንሱ ድማ እቲ ዘይመውት አምላኽ እዩ።👇
: ንሱ በይኑ ዘይመውት፡ ሓደ ሰብ እኳ ፈፂሙ ዘይረኣዮ ኺርእዮውን ዘይኽእል፡ ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዚነብር፡ ንዕኡ ኽብርን ናይ ዘለኣለም ስልጣንን ይኹን። ኣሜን።
📕1ይ ጢሞቴዎስ 6:16
እምብኣርስ ነቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስ፡ ዘይሐልፍ፡ ዘይርኤ ሓደ ኣምላኽ ንዘለኣለም ዓለም ክብርን ስብሓትን ይኹኖ። ኣሜን።
📕1ይ ጢሞቴዎስ 1:17
Τῷ δὲ Βασιλεῖ τῶν αἰώνων, ἀφθάρτῳ ἀοράτῳ μόνῳ Θεῷ, τιμὴ καὶ δόξα εἰς τοὺς αἰῶνας τῶν αἰώνων· ἀμήν.
እቲ ዘይርአ ሐደ ኣምላኽ ጥራይ "ዘይመውት"immortal እንተኾይኑ፡ ኢየሱስ ብኣንጻሩ መዋቲ እዩ ማለት እዩ። አብ ናይ ጳውሎስ ትምህርቲ "ሐደ ሞይቱ" ኽበሃል ተሎ "ሐደ አምላኽ ሞይቱ ማለት ዘይኾነስ" "ሐደ ሰብ ሞይቱ "ማለት እዩ።
👇👇.
እምብኣርከ ሓደ በጃ ዅሉ ሞተ፡ ስለዚ ዅላቶም ሞቱ፡ ካብ እንብልሲ፡ ፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ እሞ፡ እንተ ተጸለልና፡ ንኣምላኽ፡ ምስ ቀልብና እንተ ዀንናውን፡ ንኣኻትኩም ኢና።
📕2ይ ቆረንቶስ 5:13-14
➸ግናኸ እቲ ውህበት ጸጋ ኽንድቲ ኣበሳ ኣይኰነን። ብኣበሳ ሓደ ሰብኣይ ብዙሓት ሞይቶም እዮም እሞ፡ እቲ ጸጋ ኣምላኽን ውህበቱን ብጸጋ እቲ ሓደ ሰብኣይ፡ ማለት የሱስ ክርስቶስ፡ ናብቶም ብዙሓት እምብዛ ይዓዝዝ እዩ።
📕ሮሜ 5:15
and the gift by grace, which is by one man, Jesus Christ, hath abounded unto many.
➸እዚ ዘምውት(ዝቐትል) ሐደ አምላኽ እንተ ሞይቱ:ንፍጥረታት መን እዩ ዝቆጻጸሮ? ንሱ ምስ ሞተኸ መን እዩ ክቐትሎ? ፈጣሪ ብፍጥረቱ ተቐቲሉ ምባል ትርጉም ኣለዎ ድዩ? ስሚዒትኸ ይህብዶ?
እቲ ዝቐትልን ህይወት ዝህብን ኣላህ ካብ ዝብልዎ ጽሬት ይግብኦ!
እየሱስ መዋቲ እንተ ዀይኑ፡ ሓደ ኣምላኽ ዘይመውት እንተ ዀይኑ፡ እቲ መዋቲ እየሱስ ከመይ ኢሉ እዩ እቲ ሓደ ዘይመውት ሐደ አምላኽ ክኸውን ይኽእል?
እቲ ሐደ አምላኽ አይሞውትን👇
"ደጊም ብዛዕባ እቲ ንጣኦታት እተሰውኤ ምብላዕ፡ ጣኦት ኣብ ዓለም ግዛዕ ከም ዘይኰነን ብዘይ እቲ ሓደ በይኑ ኸኣ ካልእ ኣምላኽ ከም ዜልቦን፡ ንፈልጥ ኢና።
📕1ይ ቆረንቶስ 8:4
➸ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ቅዱሰይ፣ ካብ ጥንቲ ንስኻዶ ኣይኰንካን፥ አይትመውትን። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንፍርዲ ኣንበርካዮም፣ ኣታ ኸውሒ፣ ንመቕጻዕቲ ሰረትካዮም።
📕 ኣንባቆም 1:12
הֲלֹ֧וא אַתָּ֣ה מִקֶּ֗דֶם יְהוָ֧ה אֱלֹהַ֛י קְדֹשִׁ֖י לֹ֣א נָמ֑וּת
አታህ" אַתָּ֣ה ማለት "ንስኻ" ማለት እዩ "ሎ ናሙት" לֹ֣א נָמ֑וּת ማለት "አይትመውትን"not die" ማለት እዩ፥ "" ብዙሓት ተርጎምቲ አይትመውትን"you will not die ብዝብል አቐሚጦምዎ(ተርጉሞምዎ)።
1.Christian Standard Bible
Are you not from eternity, LORD my God? My Holy One, you will not die.
New International Version
LORD, are you not from everlasting? My God, my Holy One, you will never die.
Holman Christian Standard Bible
Are You not from eternity, Yahweh my God? My Holy One, You will not die.
NET Bible
LORD, you have been active from ancient times; my sovereign God, you are immortal.
New Revised Standard Version
Are you not from of old, O LORD my God, my Holy One? You shall not die.
➸ብኣንጻሩ "ኣይንመውትን ኢና" We shall not die ዝብል ትርጉም ዘቐመጡ እኳ እንተሃለዉ፡ ሰብ ኾይኑ ዘይመዉት ከምዘየለ ምስ ዝፍለጥ ሓቂ ዝጋጮ እዩ። ዘይሞት ሐደ አምላኽ አሎ።
ኣብ መንጎ ሓደ ኣምላኽን ደቂ ሰባትን መልእኽቲ ዘመሐላልፍ መዋቲ ዝኾነ ሰብ ኣሎ፤
ማለት፥ ኣምላኽ ሓደ በይኑ እዩ እሞ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይውን፡ እቲ ሰብ፡ ክርስቶስ እየሱስ፡ ሓደ በይኑ እዩ።
📕1ይ ጢሞቴዎስ 2:5
εἷς γὰρ Θεός, εἷς καὶ μεσίτης Θεοῦ καὶ ἀνθρώπων, ἄνθρωπος Χριστὸς Ἰησοῦς,
➸መሲሕ(እየሱስ) ዘይመውት ህያው ኣምላኽ ዘይኮነስ ዘይመውት ህያው ኣምላኽ ካብ ሞት ዘተንስኦ መዋቲ ፍጡር እዩ።
ኣቱም ክርስትያን! መዋቲ ዝኾነ ፍጡር(እየሱስ) ምምላኽ ገዲፍኩም ነቲ ዘይመውት ህያው ኣምላኽ ክተምልኹ ንጽውዓኩም ኣለና። ኣብ ሂወቱ ሞት ዘይብሉ ኣላህ ሂዳያ ይሃበኩም! ንዓና ድማ ፅንዓት ይሃበና! ኣሚን።
✍ካብ ዐቃቢ ኢሥላም ወሒድ
https://t.me/wahidtigriga
ወሠላሙ ዐለይኩም
አሥ ሠላሙ ዐለይኩም ያ ጀመዓህ!
ተቅዋእ ሐበሻህ የሙሥሊም ሴቶች ዓለም ዓቀፍ ድርጅት ከተውሒድ ኢሥላማዊ ጥሪ ማኅበር ጋር በመመካከር በኡሥታዝ ወሒድ ዐቃቢ ኢሥላም ተማሪዎች ስብስብ በተመሠረተው በተውሒድ ኢሥላማዊ ጥሪ ማኅበር በዲን ምክንያት ከቤታቸው ለሚባረሩ ለሠለምቴዎች ማረፊያ ግንባታ የገቢ ማሰባሰቢያ መርሐግብር የፊታችን እሑድ እንደ ጎርጎሮሳውያን አቆጣጠር ታኅሳስ"December" 15 በኢትዮጵያ ከምሽቱ 2 ሰዓት ጀምሮ በአጉላ ስብስብ"Zoom Meeting" ላይ ስለሚጀምር ሁሉም የሙሥሊም ማኅበረሰብ እንዲገኝ ከታላቅ አክብሮት እና ፍቅር ጋር ጋብዘናል።
እንቁጣጣሽ
ብሽም ኣሏህ በቲ ኣዝዩ ርሕሩሕን ራሕራሒን ዝኾነ
57:3 ካብ ጎይታኹም ናባኹም ዝተወረደ ተኸተሉ። اتَّبِعُوا مَا أُنزِلَ إِلَيْكُم مِّن رَّبِّكُمْ
''ጳጉሜ'' ዝብል ቃል ''ኤፖግሜኖይ'' ἐπαγόμενοι ካብ ዝብል ናይ ግሪክ ቃል ዝተረኽበ እንትኸውን ትርጉሙ ''ተወሳኺ'' ወይም "ዝተወሰኸ" ማለት እዩ፥ጳጉሜ ናይ ወርሒ ሽም እንትኸውን ኣብ ነባራት 12 ኣዋርሕ ዝተወሰኸ 13ኛ ወርሒ እዩ። እዚ ወርሒ ኣብ መንጎ ነሓሰን መስከረምን ዝርከብ ናይ መወዳእታ ወርሒ እዩ፥ጳጉሜ ብናይ ኢትዮጵያ ዘመን ኣቆፃፅራ ብዘመነ ሉቃስ ሽዱሽተ መዓልትታት እንትህልዉ ብዘመነ ዮሐንስ ፣ ብዘመነ ማቴዎስን ብዘመነ ማርቆስን ድማ ሓሙሽተ መዓልትታት ይኸውን። ልቢ በሉ! እዚ ወርሒ ካብ ግሪክ ሄለኒዝም ዝተጀመረን ካብ ኣሌክሳንድርያ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ እምበር ብዕብራውያን ኣቆፃፅራ 12 ኣዋርሕ ጥራይ እዩ ። ኣምላኽና ኣሏህ ናይ ኣዋርሕ ቁፅሪ ኣብ ናዩ መፅሐፍ ስማያትን ምድርን ኣብ ዝፈጠረሉ መዓልቲ 12 ወርሒ ከም ዝኾነ ነጊርናሎ፦
9፥36 ኣሏህ ዘንድ ናይ ኣዋርሕ ቁፅሪ ኣብ ናይ ኣሏህ መፅሓፍ ሰማያትን ምድርን ብዝፈጠረሉ መዓልቲ ዓሰርተ ክልተ ወርሒ እዩ። إِنَّ عِدَّةَ ٱلشُّهُورِ عِندَ ٱللَّهِ ٱثْنَا عَشَرَ شَهْرًۭا فِى كِتَٰبِ ٱللَّهِ يَوْمَ خَلَقَ ٱلسَّمَٰوَٰتِ وَٱلْأَرْضَ
እዚ ዘርእዮ ናይ ኢትዮጺያ ዘመን መለወጢ ብልምዲ ካብ ግሪክ ዝመፀ ሰርጎገብ እምበር ሃገር በቆል ኣይኮነን፥ካብኡ ሓሊፉ መለኮታዊ ዘለዎ ከይኮነ ሰብሰራሕ ቢድዓህ እዩ። ዓመተ ምህረት ዘማእኸለ ዘመነ ሉቃስ፣ ዘመነ ዮሐንስ፣ ዘመነ ማቴዎስን ዘመነ ማርቆስን ሰብሰራሕ ሃይማኖታዊ ኣስተምህሮት እዩ ፥ ኣብኡ ተደሪቡ ድማ ናይ ባዕድ ኣምልኾ ዝፍፀመሉ መዓልቲ እዩ። ብጳጉሜ መዓልትታት ኾነ ኢልካ ኣንጊሁ ዝወፀ ሰብ ንክረግፆም ተሓሲቡ ብጎረቤት መተሓላለፊ መንገዲን ህዝቢ ብዘዘውትሮም መንገድታትን ኣጣሊ፣ደራሁ፣ደማሙን ማንትለታትን ወዘተ ተሓሪዶም ይድርበዩ፥ብደም ዝተነኸሩ ሳንቲማትን፣ ኣቅራሻትን፣ መገያየፂታትን ዝተፈላለዩ ኣእዳዋትን ኣብዝን ኣፍትን ወዲቖም ይረኣዩ።
እዚ መዓልቲ እንትውዳእ ናይ መዓልቱ መጨረሻ ተሃፂፅሉ ስለ ዝመፅእ "እንቁ" ተባሂሉ፥ ዘምፅኦ ጣጣን መዘዝን ድማ "ጣጣሽ" ተብሃለ። ብጥቕልሉ "እንቁጣጣሽ" ተባህለ ፣ ጥንቁልናን ድግምትን ካብ ዓብዪ ሺርክ ዝምደቡ ናይ ኣሏህ ሓቂ ዝነክእ ዓብዪ በደል እዩ። እንቁጣጣሽ ምኽባር ሃገራዊ ከይኾነ እምነታዊ መሠረት ዘለዎ እንትኸውን ምስኡ ዝተተሓሐዙ ባዕዳዊ ኣምልኾታት ሓሲብና ካብዚ ሰብ ሰራሕ በዓል ዓርስና ንሓሉ! እንግዲህ እንቁጣጣሽ ዓመታዊ በዓል ዓረማዊን ክርስናን ሓዊሱ ዝሓዘ በዓል እዩ፥ ብዚ ግዜ እንኳዕ ኣብፀሐና ወይም እንኳዕ ኣብፀሓኩም እንትበሃል ነዚ በዓል ተሓሳቢን መደረኺን ዝገበረ እዩ። ሙስሊም ዘለዎ ዓመት በዓላት ኽልተ ጥራይና ጥራይ እዮም ፥ንሶምውን ዒዱል ፊጥርን ዒዱል ኣድሓን እዮም ፦
ሡነን አቢ ዳዉድ መጽሐፍ 2 ሓዲስ 745 ኣነሥ ኢብኑ ማሊክ ከምዝተረኽዎ ፦ ናይ ኣሏህ መልእኽተኛ ﷺ መዲና እንትኣትዉ ናይ መዲና ሰባት ዝድሰቱሎም ኽልተ በዓላት ከም ዘለዎም ፈለጡ። ንሶምውን "እዚኦም ኽልተ መዓልትታት እንታይ እዮም? ብምባል ሓተቱ"፥ " ሰባትውን ብጃሂልያ ዘመን ንጫወተሎም ዝነበርና በዓላት እዮም በሉዎም ። ናይ ኣሏህ መልእኽተኛውን "ኣሏህ ካብኦም ዝሓሹ ኽልተ ዒዳት ሂብኩማሎ፥ ንሶም ድማ ፦ ዒዱል ፊጥርን ዒዱል ኣድሓን በሉዎም"። عَنْ أَنَسٍ، قَالَ قَدِمَ رَسُولُ اللَّهِ صلى الله عليه وسلم الْمَدِينَةَ وَلَهُمْ يَوْمَانِ يَلْعَبُونَ فِيهِمَا فَقَالَ ” مَا هَذَانِ الْيَوْمَانِ ” . قَالُوا كُنَّا نَلْعَبُ فِيهِمَا فِي الْجَاهِلِيَّةِ . فَقَالَ رَسُولُ اللَّهِ صلى الله عليه وسلم ” إِنَّ اللَّهَ قَدْ أَبْدَلَكُمْ بِهِمَا خَيْرًا مِنْهُمَا يَوْمَ الأَضْحَى وَيَوْمَ الْفِطْرِ ” .
ጃምዒ አት ቲርሚዚይ መጽሐፍ 8, ሐዲስ 121
ዒኢሻ ረድየሏሁ ዓንሃ ከምዝተረኸቶ ናይ ኣሏህ መልእኽተኛ ﷺ ከምዚ በሉ ፦ "ዒዱል ፊጥር ሰባት ፆም ዝፈትሑሉ እዩ፥ ዒዱል ኣድሓ ድማ መስዋእት ዘቅርቡሉ መዓልቲ እዩ"። عَائِشَةَ، قَالَتْ قَالَ رَسُولُ اللَّهِ صلى الله عليه وسلم “ الْفِطْرُ يَوْمَ يُفْطِرُ النَّاسُ وَالأَضْحَى يَوْمَ يُضَحِّي النَّاسُ ”
ጃምዒ አት ቲርሚዚይ መጽሐፍ 8, ሐዲስ 91
አቡ ሰዒደል ኹድሪይ ከምዝተረኾ ፥ ናይ ኣሏህ መልእኽተኛ ﷺ ኣብ ኽልቲኦም በዓላት ዒዱል ፊጥርን ዒዱል ኣድሓን ምጿም ከልኪሎም"። عَنْ أَبِي سَعِيدٍ الْخُدْرِيِّ، قَالَ نَهَى رَسُولُ اللَّهِ صلى الله عليه وسلم عَنْ صِيَامَيْنِ يَوْمِ الأَضْحَى وَيَوْمِ الْفِطْرِ
"ዒድ" عِيد ዝብል ቃል "ዓደ" عَادَ ማለትውን "ተመላለሰ" ካብ ዝብል ስርወ ቃል ዝመፀ እንትኸውን "ምልሰት" ማለት እዩ ፥ እዚ "መሐጎሲ" ወይም "በዓል" በቢዓመቱ ስለዝመላለስ እዚ ስያሜ ረኺቡ። ስለዚ ካብ ኣሏህ ብዝወረዱ ቑርኣንን ሓዲስን ጥራይ እንተተኸቲልና ኽልተ በዓል ጥራይና ጥራይ ኣለና፦ 7፥3 ካብ ጎይታኹም ናባኹም ዝተወረደ ተኸተሉ። اتَّبِعُوا مَا أُنزِلَ إِلَيْكُم مِّن رَّبِّكُمْ
"ተኸተሉ" ዝብል ቃል "ኢተቢዑ" اتَّبِعُوا እንትኸውን "ኢቲባዕ" إِتْبَاع ማለት ባዕሉ ናይ ቢድዓህ ተቓራኒ ካብ ኣሏህ ናብ ነብይና ﷺ ዝተወረደ ጥራይ ምኽታል ማለት እዩ ። ቢድዓህ" بِدْعَة ዝብል ቃል "በደዐ" بَدَّعَ ማለትውን "ፈጠረ" ካብ ዝብል ሥርወ-ቃል ዝመፀ እንትኸውን "ፈጠራ" ማለት እዩ፥ ኣብ ቑርኣንን ሓዲስን ዘየለ ነገር ኣብ ዲን ምውሳኽ "ቢድዓህ" እንትኸውን ሙስሊም ግን ዝተወረደ ጥራይ እንትኽተል ኽልተ ዒድ ጥራይና ጥራይ የኽብር። ስለዚ "እንቁጣጣሽ" እንትንበሃል "እንኳዕ ደሓን መፃእኺ" ካብ ምባል "መን ኣምፂእኪ?" ኢልና ብታሪኻዊ ድሕረ ባይታን ፍሰትን ንሙግት። በዓሉ ብዘይምፍላጥ ንዘኽብሩ ኣምላኽና ኣሏህ ሂዳያህ ይሃቦም! ንዓናውን ፅንዓቱ ይሃበና! ኣሚን።
ካብ ዐቃቢ ኢሥላም ወሒድ
https://t.me/Wahidcom
ወሠላሙ ዐለይኩም
ኣብ ምድሪ ዘሎ ሕድሕድ ሰብ ናይ ባዕሉ ገፅ ዘለዎ እንትኸውን ብስም፣ ብኣካል፣ ብግብሪ ሸሞንተ ቢልዮን እዩ፥ ግን ናይ ኹሎም ምንነት ሓደ ምንነት ስለዝኾነ ሸሞንተ ቢልዮን ሰብ ሓደ ሰብ ኣይበሃልን። ሸሞንተ ቢልዮን ሰባት ዘበሎ ብማንነት እገለ እናተብሃለ ስለ ዝፈላለ እዩ፥ ኣምላኽ ብማንነት እገለ እናተብሃለ ብስም፣ ብኣካል፣ብግብሪ እንተተፈላልዮ ሓደ ከይኮነስ ብዙሕ እዮ
። ብሰለስተ ገፅታት ዝተፈላለየ መለኾት ፣ ጌታ፣ ንጉስ፣ ኣምላኽ እና ፈጣሪ መድብለ ኣምላኻት እምበር ኻልእ ኣይኮነን፦
ሰይፈ ሥላሴ ዘእሑድ ምዕራፍ 8 ቑፅሪ 41 "ሰለስተ እትኸውን ጎይታይ ፣ ንጉሰይ፣ ኣምላኸይ፣ ፈጣሪዬይ ሆይ*! ንኣዳራሽኻ መብራህቲ ንመመላለሲኻ ፀሓይ ኣይትደልን"።
መልክአ ሥላሴ ቑፅሪ 39 "ኦ ሥሉስ ቕዱስ! ናይ ኣዳምን ሔዋንን "ፈጣሪታቶም" ከም ምዃንኩም ናይ ምሩኻት ነፃ መውፀኢ ዝኾነ ሓይኹም ናይ ጣኦታት ሓሶተኝነት ኣጋሊፁ "።
ሥላሴ "ፈጣሪታት" እንተተባሂሎም ክንደይ ፈጣሪ እዩ ክህሉ? ንሳቶም እውን ብድፍረት፦ "ኤሎሂም" ማለት "ኣማልኽቲ" ማለተ እዩ ስለዚ "ኣማልኽቲ" ዝተብሃለ ሥላሴ ኣምላኽና እዩ" ብምባሎም ሥላሴ "ኣማልኽቲ" ምዃኖም ብግልፂ ነጊሮምና። ነግ ፈለግ ከይበሉ "ሰለስተ ብሓደ ዝኾነ ኣምላኽ "Triune God" ይብልዎ፣ ብሃገርና "ሥላሴ" ማለት "ሰለስተነት" ማለት እዩ፣ ናይ ክርስቲያናት ድማ "ተሥሊስ" ይብልዎ። ፕሮቴስታንታት ድማ፦ "ኣብ ዓርሱ ዝኸኣለ ኣእምሮ፣ ፍቓድን ስምዒትን ኣለዎ፣ ወልድ ዓርሱ ዝኸኣለ ኣእምሮ፣ ፍቓድን ስምዒትን ኣለዎ፣ መንፈስ ቕዱስ ዓርሱ ዝኸኣለ ኣእምሮ፣ ፍቓድን ስምዒትን ኣለዎ" ይብሉ፥ እዚ ብኦርቶዶክስ ሰለስተ ኣማልኽቲ እዩ፦ መፅሐፈ ሜላድ 6፥38 ሰለስተ ልቢ፣ ሰለስተ ቓል፣ ሰለስተ እስትንፋስ ዝብል ግን ሰለስተ ኣማልኽቲ ኣምሊኹ"።
"ለበወ" ማለት "ፈለጠ" ማለት እንተኾይኑ ሰለስቲኦም ማንነታት ነናይ ባዕሎም ፍልጠት እንተሃልይዎምን ዓርሲ ን ዓርሶም ዝነጋገሩ እንተኾይኖም ሰለስተ ልቢ ይኸውን፥ ብፕሮቴስታንት ልክዕ ከም ኣርጌናሳውያን ኣብ ንወልድን መንፈስ ቅዱስን ዘመሓድሮም ኣመሓዳዳሪኦም እዩ፦ 1ይ ቆሮንቶስ 15፥28 ሓድሽ መደበኛ ትርጉም መብራህርሂ፦ "ወልድ ንኣብ ዝግዘኦ ብምምሕዳር ጉዳይ እንትኸውን ...ብሥላሴ ኣካላት መንጎ ድማ ኣብ ላዕለዋይ ኣመሓዳሪ እዩ"
እምበኣር ሥላሴ ሰብ ብምእማኑ ዝድሕነሉ ብምክሓዱ ዝጠፍአሉ ዓንቀፀ እምነት ምኾነ ኔሩ ነብያትን ሓዋርያትን ብግልፂ ልክዕ ከም ተውሒድ መቕመጡልና ኔሮም። ነገር ግን ኣብ ግልፀተ መለኾት ውሽጢ ናይ ሥላሴ ሓሳቡ ስለዘየለ <<ሰለስተ እዩ>> ኣይትበሉ! ተኸልኸሉ! ንዓኹም ዝሐሸ ክኸውንዩ። ኣሏህ ሓደ ኣምላኽ ጥራይ እዩ። وَلَا تَقُولُوا ثَلَاثَةٌ ۚ انتَهُوا خَيْرًا لَّكُمْ ۚ إِنَّمَا اللَّهُ إِلَـٰهٌ وَاحِدٌ
ኣምላኽና ኣሏህ ሂዳያህ ይሃብኹም!
ንዓና እውን ፅንዓቱ ይሃበና! ኣሚን
✍ካብ ዓቃቢ ኢሥላም ወሒድ
https://t.me/Wahidcom
ወሠላሙ ዐለይኩም
ተሥሊስ
ብናይ ኣሏህ ሽም በቲ ኣዝዩ ርሕሩሕ ኣዝዩ ራሕራሒ ዝኾነ
4÷171 "ሰለስተ እዩ " ኣይትበሉ! ተኸልኸሉ! ንዓኹም ዝሓሸ ክኸውንዩ። ኣሏህ ሓደ ኣምላኽ ጥራይ እዩ። وَلَا تَقُولُوا ثَلَاثَةٌ ۚ انتَهُوا خَيْرًا لَّكُمْ ۚ إِنَّمَا اللَّهُ إِلَـٰهٌ وَاحِدٌ
"መለኾት" ማለት "ኣምላኽነት" ማለት እዩ ÷ "እግዚአብሔር" ዝብል ቓል ድማ ብግሪክ "ቴዎስ" θεός እንትኸውን "ኣምላኽ""God"ማለት እዩ። ብጥቕልሉ "መለኾት" "እግዚአብሔር" "ኣምላኽ" ተመሳሳሊ ነገር ንምርኣይ ዝመፀ እንትኸውን
ናይ ሥላሴ ሓሳብ:-
1ወላዲ ማንነት ኣምላኽ
2 ተወላዲ ማንነት ኣምላኽ
3 ሰራጺ ማንነት ኣምላኽ እንተደኣ ኾይኑ ወላዲ ኣምላኽ፣ ተወላዲ ኣምላኽ፣ሰራጺ ኣምላኽ ኣሎ ማለት እዩ:-
ሰይፈ ሥላሴ ዘሰኞ ምዕራፍ 2 ቁፅሪ 42
" በጽርሐ አርያም ንዝነብር ፍሉይ ሰለስተ ንዝኸውን ኣምላኽ ሰላምታ ይግባእ"
"ፍሉይ ሰለስተ ንዝኸውን ኣምላኽ" ዝብል ይሰመረሉ! "ሰለስተ ንዝኸውን ኣምላኽ" ብግእዝ "ሥሉስ ኣምላኽ" እዩ። ወላዲ ኣምላኽ "ኣብ" ተወላዲ ኣምላኽ ከምኡውን ሰራጺ ኣምላኽ እንድሕር ዘይኾነ፣ ተወላዲ ኣምላኽ "ወልድ" ወላዲ ኣምላኽ ከምኡውን ሰራጺ ኣምላኽ እንድሕር ዘይኾነ ፣ ሰራጺ ኣምላኽ "መንፈስ ቅዱስ" ወላዲ ኣምላኽ ከምኡውን ተወላዲ ኣምላኽ እንድሕር ዘይኾነ ኽንደይ ኣምላኽ ኣሎ? መልሱ ሰለስተ ኣምላኽ ይኸውን። ምኽንያቱ ወላዲ ኣምላኽ ፣ ተወላዲ ኣምላኽ ፣ሰራጺ ኣምላኽ ሰለስተ እዩ፥ንሳቶም እውን ፦ ብግእዝ "ሦሉስ አምላክ" እንትብሉ ትርጉሙ "ሰለስተ ኣምላኽ" ማለት እዩ:-
ሰይፈ ሥላሴ ዘረቡዕ ምዕራፍ 4 ቑፅሪ 31 " መለኾት ብኣካል ሰለስተ እንትኸውን ብባህሪ ሓደ እዩ"።
"መለኾት ብኣካል ሰለስተ እንትኸውን" ዝብል ይሰመረሉ! መለኾት ብኣካል ሰለስተ እዩ ማለት ናይ ጥዕና ድዩ?
ኣምላኽ ኣቦ (እግዚአብሔር ኣብ)፣ኣምላኽ ውሉድ (እግዚአብሔር ወልድ)፣ኣምላኽ ቕዱስ መንፈስ (እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ) ዝበሃሉ ብኣካል ሰለስተ ኣምላኽ "tritheism" እዮም። ኣምላኽነት ሰለስቲኦም ኣካላት ዝካፈልዎ ባህሪ እምበር "ማንነት እዩ" ኢሎም ኣይኣምኑን:-
ሰይፈ ሥላሴ ዘሓሙስ ምዕራፍ 5 ቑፅሪ 17 "ሰለስተ ናይ ሓዊ ባህሪ ይኹን እምበር ሓደ ብርሃን እዩ"።
"ሰለስተ ናይ ሓዊ ባህሪ" ዝብል ይሰመረሉ! "ሰለስተ ናይ ሓዊ ባህሪ" እንተይሉ ሓደ ብርሃን ከይኮነስ ሰለስተ ብርሃናት እዮም:-
ሃይማኖተ አበው ምዕራፍ 10 ቑፅሪ 6 "ፍልጠት ዝገልፁ ብርሃናት እዮም"።
"ብርሃናት" ናይ ብርሃን ብዙሕ ቑፅሪ እዩ÷ ሓዲኡ ብርሃን ኣብ ኽልቲኦም ብርሃናት ንወልድ እና መንፈስ ቅዱስ ኣርኺቡ( ንክርከቡ ጌሩ ) ማለት ናይ ጥዕና ኣይኾነን:-
ሃይማኖተ ኣበው ምዕራፍ 10 ቑፅሪ 12
"ኣብ ብርሃን እዩ፣ ካብኣብ ዝተወለደ ቓሉ ወልድ ካብ ብርሃን ዝተረኽበ ብርሃን እዩ፣ ከምኡውን ካብኣብ ዝሰረጸ ቕዱስ መንፈስ እውን ካብ ብርሃን ዝተረኽበ ብርሃን እዩ"።
ካብ ሓዲኡ ብርሃን ካብ ኣብ ወልድ ዝበሃል ብርሃን ብምውላድ ተገንዩ እና ካብ ሓዲኡ ብርሃን ካብ ኣብ መንፈስ ቕዱስ ዝበሃል ብርሃን ብምስራፅ ተረኺቡ ዝብል ብግልፂ "ሰለስተ ፀሓይ" ኢሎም ኣቐሚጦም
ሰይፈ ሥላሴ ዘረቡዕ ምዕራፍ 4 ቑፅሪ 21 "ሰለስተ ፀሓይ ሓደ ብርሃን...እዩ " ።
ሰይፈ ሥላሴ ዘሓሙስ ምዕራፍ 5 ቑፅሪ 21 "ሰለስተ ናይ ብርሃን ኣዕማዳት ብመጠን ግን ሓደ እዩ"።
ዶክተር ዛኪር፣ ዶክተር ቢላል እና ዶክተር ፊሊፕ ሰለስተ ዶክተር እምበር ሓደ ዶክተር ኣይኾኑን÷ግን ሓደ ዶክትሬት ይካፈሉ። ብተመሳሳሊ እግዛብሄር ኣብ፣ እግዛብሄር ወልድ እና እግዛብሄር መንፈስ ቅዱስ ሰለስተ እግዚአብሔር እምበር ሓደ እግዚአብሔር ኣይኮኑን፥ግን ሓደ እግዚአብሔርነት ይሻረኹ፦
ሰይፈ ሥላሴ ዘማክሰኞ ምዕራፍ 3 ቑፅሪ 21
"ቕዱስ፣ቕዱስ፣ቕዱስ እግዚኣብሄር ሰለስተ እንትኸውን ሓደ ፥ ሓደ እንትኸውን ሰለስተ ዝኸውን ንሱ ሓደ ቅዱስ እዩ"።
"እግዝኣብሄር ሰለስተ እንትኸውን" ዝብል ይሰመረሉ! "ሓደ ቅዱስ እዩ" ድሕሪ ምባልኹም "ሥሉሦ ቅዱስ" ማለት እውን "ሰለስተ ቅዱስ" ማለትኹም ናይ ጥዕና ድዩ? "ቕድስቲ ሥላሴ" ማለትውን "ቕዱሳት ሰለስተነት" ንምንታይ ትብሉ ? በነገራችን ላይ "ቕድስቲ" ዝብል ቃል "ቕዱሳን" "ቕዱሳት" ንዝብል ንምትካእ ዝጥቀሙሉ እዩ :-
ሃይማኖተ አበው ምዕራፍ 82 ቑፅሪ 14 "ሥሉስ ቕዱስ ዘይተፈጠሩ እዮም"
"ሰለስተ ቕዱስ" "ሓደ ቕዱስ" ዓርሱ ብ ዓርሱ ይጋጨ። ከም ናትኩም ትምርቲ ኣምላኽ ካብ ማርያም እንትውለድ ዝተወለደ ሓደ ኣምላኽ ድዩ ወይስ ኻልኣዩ ውላድ ዝኾነ ኣምላኽ ? ሓዲኡ ኣምላኽ እንተኾይኑ ኣብ እና መንፈስ ቕዱስ ምስኡ ተወሊዶም ዶ? ምኽንያቱ ማርያም ናይ መለኾት ኣዶ እያ ስለዝብል :- ሰይፈ ሥላሴ ዘእሑድ ምዕራፍ 8 ቑፅሪ 73 "ብመለኾት ኣዶ ብድንግል ማርያም"።
ኻልኣዩ እቲ ውላድ ዝኾነ ኣምላኽ እንተደኣ ኾይኑ ዘይተወለዱ ኽልተ ኣቦን መንፈስ ቅዱስን ዝኾኑ ኣምላኽ ኣለዉና ዶ ? ካብ ማርያም ዝተልዓለ ስጋ መለኾት እንትውንን ሙሉእ መለኾት ድዩ ወይስ ናይ ኣብ ተወላዲ መለኾት?
ዘሎ ኣማራፂ ሰለስተ ኣምላኽ ስለዝኾነ ብግልፂ "ኣምላኽና ብዘይምፍልላይ ሰለስተ እዩ" ኢሎም ዓሪፎምዎ:-
ሃይማኖተ አበው ምዕራፍ 99 ቑፅሪ 11
"ኣምላኽና ብዘይምፍልላይ ሰለስተ እዩ"
"ኡሲያ" οὐσία ዝብል ቃል "ሃልዎት "ኑባሬ" "ህልውና" "essence" ዝብል ትርጉም ኣለዎ፥ " ብኣካል ሰለስተ ህልውና " ምባል ናይ ጥዕና ኣይኮነን፦
ሃይማኖተ አበው ምዕራፍ 3 ቑፅሪ 22
" በኣካል ሰለስተ "ህልውና" ብመለኾት ሓደ ህልውና እዩ" ።
ብርግፅውን "ሰለስተ ንዝኸውን ኣምላኽ፣ ሰለስተ ቕዱስ፣ ሰለስተ ልኡላት፣ ሰለስተ ጌታታት፣ ሰለስተ ነገሥታት፣ ሰለስተ ገዛእቲ " ኢልኹም እንተደኣ ኣምሂርኹም ብግልፂ መድብለ ኣማልኽታውያን ኢኹም ፦ ፨ ሰይፈ ሥላሴ ዘሐሙስ ምዕራፍ 5 ቑፅሪ 22-23 "ሰለስተ ልኡላት ገዛእቲ ፥ ሰለስተ ጌታታት እዮም"።
፨ ሰይፈ ሥላሴ ዘሐሙስ ምዕራፍ 5 ቑፅሪ 26 " ሰለስተ ነገሥታት ሓደ ኣገዛዝኣ እዮም "።
፨ሰይፈ ሥላሴ ዘረቡዕ ምዕራፍ 4 ቑፅሪ 52 "እዚኦም ገዛእቲ ብገፅ ሰለስተ ብፍቓድ ሓደ እዮም።"
"ገጽ" ማለት ገፅ ማለት እዩ፥ በዓል ሰለስተ ገፅ ኣምላኽ ድማ ናይ ዓረማውያን እምበር ናይ ኣብራሃም ኣምላኽ ብፍፁም ኣይኮነን፦
ሰይፈ ሥላሴ ዘሐሙስ ምዕራፍ 5 ቑፅሪ 24 "ሰለስተ ገፅ ሓደ ኣመለኻኽታ እዮም "።
ሥላሴ ኣካሎም ዝተፈላለዮ እንተኾይኖም ኣካሎም ሓደ ዓይነት ድዩ ወይስ ዝተፈላለየ? ሓደ ዓይነት እንተኾይኑ ታይ ዓይነት ሓደ ዓይነት? እንተተፈልዮ ድማ ታይ ዓይነት ዝተፈለየ ኣካል እዩ? ገፅታኦም ሰለስተ ዓይነት ገይሩ ዝፈላለየ ገፅታ ታይ ዓይነት ገፅታ ይኾን ?
"መለኾት ሰለስተውን ሓደውን እዩ" ምባል ናይ ጥዕና ኣይኮነን፦
ሰይፈ ሥላሴ ዘቀዳሚት ምዕራፍ 7 ቑፅሪ 69 "ንመለኾት ሓድነት ምስጋና ይግባእ"። ገድለ ተኽለ ሃይማኖት 60(61)፥12" ናይ መለኾት ሰለስተነት መቖፈሪ ንልቡ #በኮሰተረው ብዝቖፈሮን ግዜ"።
ንማርያም ኣምልኾ
ብሹም ኣሏህ በቲ ፍጹም ሩህሩህ በቲ ፍጹም ሓዛኒ ብዝኾነ።
5፥116 ኣላህ ድማ፡- «ናይ መርየም ውላድ ዒሳ! ንስኻ ነቶም ሰባት፡- "ንዓይን ንወላዲተይን ካብ ኣላህ ዉጪ ኣማልኽ ገይርኩም ሓዙ ኢልካ ዲኻ?» ኣብ ዝብሎ ጊዚ ኣስታውስ፡፡ وَإِذْ قَالَ اللَّهُ يَا عِيسَى ابْنَ مَرْيَمَ أَأَنتَ قُلْتَ لِلنَّاسِ اتَّخِذُونِي وَأُمِّيَ إِلَـٰهَيْنِ مِن دُونِ اللَّهِ
ንሕና ሙስሊማት፦ "ዓበይቲ ክርስትያናት ማለት ከም ኦርቶዶክስ፣ ካቶሊክን ኣንግሊካንን ንማርያም የምልኽዋ" ክንብል ከለና ብተጻራሪ ንሶም፦ "ነኽብራ ኢና እምበር ኣይነምልኻን" ኢሎም ዓይኖም ብጨው ሓጺቦም ይሕስዉ፥ ምኽንያቱም "ነምልኻ ኢና" እንተይሎም ኣምልኾ ዝግበኦ ሓደ ኣምላኽ ከም ዝኾነ ባይብል ብደንቢ ሰፊሩ እዩ፦
1ይ ሳሙኤል 7፥3 ልብኹም ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፥ ንእኡ ጥራይውን ኣምልኹ።
ማቴዎስ 4፥10 ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ ንእኡ ጥራሕ ድማ ኣምልኽ።
"ንዕኡ ጥራሕ ድማ ኣምልኹ" ዝብል ጥብቂ ትእዛዝ ኣስምሩሉ! "ንዕኡ" ተባሂሉ ዝተቐመጠ ነጸላ ተስሓቢ ክንዲ ስም ንሓደ ቅዋመ ማንነት ብግልጺ ዘርእይ እዩ፥ ኣምልኾ ዝግበኦ እዚ ሓደ ማንነት ዘለዎ ጥራሕ እዩ። ነዚ ጥቕሲ እዚ ክርእዩ ከለዉ ድማ ጭራሽ ናብ ማርያም፦ "ምስ ውላድኪ ኣተዓርቕና ኢልና ኢና ንጥይቓ እምበር ናብኣ ኣይንጽልይን" ዝብል ቅጥፈት ይቐጥፉ።
፨እንትጅመር ኩሉ ፈላጢ፣ ኩሉ ሰማዒን ኩሉ ረኣዪን ሓደ ኣምላኽ እንዳሃለወ ናይ ምፍላጥ፣ ናይ ምስማዕን ናይ ምርኣይን ዉስንነት ንዘለዎ ፉጡር ኣብ ዘይህልወሉ ምልማን ኮነ ምጥያቕ ሽርኪ እዩ።
፨እንትቕጽል ናብ ማርያም ኣጸብቕ ኣቢልኩም ትጽልዩ ኢኹም፥ ናይ ኣዋልድ መጻሕፍትኹም ነዚ የረጋግጹ፦
መጽሐፈ አርጋኖን ዘሰኞ ምዕራፍ 2 ቁጽሪ 1
"ኣነ ነዚ ጸሎት ክጽሊ ከለኹ እዝንኺ ናብ ቃላት መልሓሰይ ኣዘንቢልኪ ስምዕኒ፥ ሰሚዕኺ ድማ ሸለል ኣይትበልኒ። ነቲ ዝብሎ ብንጹር ኣእምሮን ንጹህ ልቦናን ተቐበልኒ እምበር"።
ክብረ ድንግል ማርያም 1
"ንዓኣ "ደስ ይበልኪ" እናበልና ይቅርታ ንኽትገብረሉ ናብኣ ንጽልይ"።
፨ሳልሳይ ብግልጺን ብዘየሻሚ መልክዑን ንማርያም ኣምልኾ ከምዝግበኣ ኢትዮጵያዊ ቄርሎስ ተባሂሉ ዘላግጽ አባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ተዛሪቡ፦
እንዚራ ስብሐት ምዕራፍ 12 ቁጽሪ 98, "ንዓኺ ድማ ኢድ ምስጋና ከቕርበልኪ እየ፣ ብምፍራሕ ክግዝኣኪ እየ፣ ኢድ ኣምልኾ ድማ ከልዕለልኪ እየ። መስዋእቲ ኣምልኾ ከቕርበልኪ እየ"።
ናይ ኣምልኾ መስዋእቲ ክስወአሉ ዝግባእ ሓደ ኣምላኽ እንዳሃለወ ንማርያም ምስውኡ ንባዕሉ ዓይኒ ዘፍጠጠን ስኒ ዘጋህጸጸን ሽርኪ እዩ።
፨ራብዓይ ብ 376 ድሕረ-ልደት ዝተለዓሉ ኮልይሪዲያን "collyridian" ክርስትያናት እየሱስ "ቴዎስ" θεός ኢሎም ብዝበልሉ ኣፎም ንማርያም ብግልጺ "ቴአ" θεά ማለት "ኣንስተይቲ ኣምላኽ" ይብልዋ፥ ካቶሊክ፣ ኦርቶዶስ፣ አንግሊካን ንእየሱስ "ኩሪዮስ" κύριος ኢሎም ብዝበልሉ ኣፎም ንማርያም ብግልጺ "ኩሪያ" κυρία ማለት "ኣንስተይቲ ጎይታ" ይብልዋ። ኣብ ሃገርና ኦርቶዶክሳውያን ድማ ንእየሱስ "እግዚእ" ኢሎም ብዝበልሉ ኣፎም ንማርያም ብግልጺ "እግዚኢት" ማለት "ኣንስተይቲ ጎይታ" ይብልዋ፥ ንእየሱስ "እግዚኢነ" ማለት "ጎይታና" ከምቲ ዝብልዎ ንማርያም "እግዚኢትነ" ማለት "ጎይታና" ይብልዋ። "ኣምላኽ" ንዝብል ነጸላ ቓል በዝሑ "ኣማልኽ" እንትኸውን ጽያፍ ርብሒቱ "ኣምላኻት" እዩ፥ እሞ ካብዚ ንላዕሊ ንማርያም ኣምላኽ ጌርካ ምሓዝ ኣሎ ድዩ? እዚ ኣምልኾ ተዘይኮይኑ እንታይ ደኣ ይበሃል? እዚ ንማርያም ኣምልኾ ካብ ውላዳ ዝተረኸበ ትምህርቲ ስለዘይኮነ ኣምላኽና ኣሏህ ንእየሱስ፦ "ንስኻ ነቶም ሰባት፡- "ንዓይን ንወላዲተይን ካብ ኣላህ ዉጪ ኣማልኽ ገይርኩም ሓዙ ኢልካ ዲኻ?" ኢሉ ይሓቶ፦
5፥116 ኣላህ ድማ፡- «ናይ መርየም ውላድ ዒሳ! ንስኻ ነቶም ሰባት፡- "ንዓይን ንወላዲተይን ካብ ኣላህ ዉጪ ኣማልኽ ገይርኩም ሓዙ ኢልካ ዲኻ?» ኣብ ዝብሎ ጊዚ ኣስታውስ፡፡ وَإِذْ قَالَ اللَّهُ يَا عِيسَى ابْنَ مَرْيَمَ أَأَنتَ قُلْتَ لِلنَّاسِ اتَّخِذُونِي وَأُمِّيَ إِلَـٰهَيْنِ مِن دُونِ اللَّهِ
ንሱ ድማ፦ "ንጎይታይን ጎይታኹምን ኣላህ ክብሎ ዝኣዘዘኒ ቃል ካብ ምዝራብ ሓሊፈ ካሊእ ኣይበልክዎምን" በማለት መልስ ይሰጣል፦
5፥117 ንጎይታይን ጎይታኹምን ኣላህ ክብሎ ዝኣዘዘኒ ቃል ካብ ምዝራብ ሓሊፈ ካሊእ ኣይበልክዎምን፡፡ مَا قُلْتُ لَهُمْ إِلَّا مَا أَمَرْتَنِي بِهِ أَنِ اعْبُدُوا اللَّهَ رَبِّي وَرَبَّكُمْ
"አምላኽ" ዝብል ቓል "መለከ" ማለት "መለከ" ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቓል ዝመጸ እንትኾን "ዝምለኽ" ማለት እዩ። ከሣቴ ብርሃን ተሰማ የዐማርኛ መዝገበ ቃላት (2005) ገጽ 708)
ካብዚ ኣንጻር ዓበይቲ ክርስትያን ንማርያም ኣየምልኽዋን ድዮም?ከመይ ደኣ! ኣጸቢቖም እምበር የምልኽዋ። ሓደ ሰብ ንስምዒቱ ኣምላኹ ገይሩ ሒዙ ማለት ንስምዒቱ ኣምላኸይ ኢሉ ጸዊዕዎ ማለት ዘይኮነስ ንኣምላኽ ዝወሃብ ናይ ኣምልኾ ክፍሊ ንስምዒቱ ኣቐዲሙ ሂቡ ማለት እዩ፦
25፥43 ንስምዒቱ ኣምላኹ ገይሩ ዝሓዘ ሰብ ርኢኻ ዶ? ንስኻ ኣብ ልዕሊኡ ሓላዊ ትኸውን ዲኻ? أَرَأَيْتَ مَنِ اتَّخَذَ إِلَـٰهَهُ هَوَاهُ أَفَأَنتَ تَكُونُ عَلَيْهِ وَكِيلًا
ናይ ማርያም አምላኽ ገርካ ምሓዝ በዚ ሕሳብ ምርዳእ ይከኣል። ብተመሳሳሊ ጳውሎስ፦ "ከብዶም ኣምላኾም እዩ" ኢሉ፦
ፊልጵስዩስ 3፥19 መወዳእተኦም ጥፍኣት እዩ፥ ከብዶም ኣምላኾም እዩ።
እዚ ማለት ከብዶም "ኣምላኸይ" ዪሎም ጸዊዖም ማለት ዘይኮነስ ንኣምላኽ ዝወሃብ ናይ ኣምልኾ ክፍሊ ንከብዶም ኣቐዲሞም ሂቦም ማለት እዩ፥ ናይ ማርያም ኣምላኽ ገርካ ምሓዝ በዚ መለክዒ እዚ ምርዳእ ይከኣል። ኣብ ዓበይቲ ክርስትያን ኣብ ማርያም ኣምልኾ ዝተዘፈቕኩም ተሃሊኹም ሞት ከይመጸኩም ወይ ድማ ናይ ፍርዲ መዓልቲ ቅድሚ ምምጽኡ ናብ ኣሏህ ንምጥዓስ ተመለሱ!
አሏህ ሂዳያህ ይሃብኩም! ንዓና ድማ ጽንዓት ይሃበና! አሚን።
✍ካብ ዓቃቢ ኢስላም ወሒድ
https://t.me/wahidtigriga
ወሠላሙ ዐለይኩም
2ይ ሳሙኤል 12፥8 ቤት ጐይታኻ ድማ ሀብኩኻ፡ ኣንስቲ ጐይታኻውን ኣብ ሕቚፍኻ ኣንበርኩልካ፡ ቤት እስራኤልን ይሁዳን ድማ ሀብኩኻ። እዚ እንተ ውሒዱ ኸኣ፡ ከምኡ ኻልእ ምወሰኽኩልካ ነይረ።
ነብዪ ዳዊት ንኬጢያዊ ኦርዮን ብሴፍ ቀቲሉ እታ ሰበይቱ ድማ ንባዕሉ ሰብይቱ ክትኮኖ ወሲዱ እዩ፦
2ይ ሳሙኤል12፥9 ስለምንታይ ኢኻ እቲ ኣብ እግዚኣብሄር ክፉእ ኰይኑ ዝተራእየ ኽትገብርሲ ቃሉ ንዒቕካ ንኦርዮ ብሴፍ ቀቲልካስ ንሰበይቱ ሰበይትኻ ኽትከውን ወሰድካያ፤ ንእኡ ድማ ብሴፍ ደቂ ዓሞን ቀተልካዮ።
እቲ ብጣዕሚ ዘሕዝን ድማ ንሱ ብዘጥፍኦ ጥፍኣት ኣንስቱ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ተወሲደን፤ ካብ ቤርሳቤህ ዝተወለደ ህጻን ብዘይ ወንጀሉ ክመውት ተገይሩ፦
2ይ ሳሙኤል12፥11 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ካብ ገዛኻ ክፉእ ከተስአልካ እየ፤ ነንስትኻ ኣብ ቅድሜኻ ወሲደ ንዘመድካ ክህቦ እየ፥ ንሱ ኸኣ ምስተን ኣንስትኻ ኣብ ቅድሚ እዛ ጸሓይ እዚኣ ክድቅስ እዩ።
2ይ ሳሙኤል 12፥14-15 ግናኸ በዚ ነገር እዚ ንጸላእቲ እግዚኣብሄር ኣዚኻ መላገጺ ስለ ዝሀብካዮም እቲ ተወሊዱልካ ዘሎ ወዲ ርግጽ ክመውት እዩ ኢልዎ። ናታን ከኣ ናብ ገዝኡ ተመሊሱ። እግዚኣብሄር ድማ ናይ ኦርዮ ሰበይቲ ንዳዊት ዝወለደትሉ ህጻን ቀዚፍዎ፥ ብጣዕሚ ድማ ሓሚሙ ነይሩ።
ያልተጠረጠረ ተመነጠረ፤ የተጠረጠረ አስመነጠረ።
✍ካብ ዓቃቢ ኢስላም ወሒድ
https://t.me/wahidtigriga
ወሠላሙ ዐለይኩም
Welcome To Amharic films Best Place To find Amharic Movies
አዳዲስ እና የድሮ አማርኛ ፊልሞችን እና አማርኛ ተከታታይ ድራማዎችን ለማግኝት ቻናላችንን Join ይበሉ ።
Share:- @Amharic_Films
ለማስታወቂያ - @Abusheymc & @Alpha6249
Buy ads: https://telega.io/c/Amharic_films
Last updated 1 year, 8 months ago
ስለ መድፈኞቹ የሚወጡ መረጃዎች ለማግኘት የትም መሄድ አያስፈልግም
- የዝዉዉር ዜና
- የአሰልጣኞች አስተያየት
- የተጨዋቾች የህይወት ታሪክ
- ጨዋታዎችን በቀጥታ ስርጭት
ለማስታወቂያ ስራ --> @Aymu_xo
Last updated 3 weeks, 1 day ago
╔╦╦═╦╔╦═╦═╦═╗
║ እንኳን ደህና መጡ | |
╚══╩═╩═╩╩╩╩═╝
➟ እንኳን ወደ ትልቁ የሊቨርፑል ( መርሲሳይድ) ቻናል በደህና መጡ ።
◉ ስለ ሊቨርፑል ◉
? ዝውውሮች
? ውጤቶች
? የጨዋታ ፕሮግራሞች
? እንዲሁም የተጨዋቾች ግለ ታሪክ
? ጨዋታዎችን በቀጥታ ወደናንተ የምናደርስ ይሆናል።
Owner:- @hackersolo0⭐️
Last updated 2 months, 2 weeks ago