Dive into the Ultimate Free Library: Your One-Stop Hub for Entertainment!

ኣቦታት ቅድስት ቤተክርስቲያን

Description
‌‌
""ዘበመስቀሉ ተቀነወ ወበነቢያት ተሰብከ መላእክት ወሊቃነ መላእክት ሰብሕዎ ኪያሁ ንሰብክ መድኅነ"
—>>> [ዮሐ1:14]
☞ ሕቶን መልስን
☞ንመናፍቓን መልሲ
☞ናይ መዝሙር ግጥምታት
☞ ናይ ቤተክርስቲያን ወቅታዊ ዜናታት
☞ ናይ ግዕዝ ትምህርትን ዝ/ዪ ስነ ፅሑፍትን
ንዝኮነ ዓይነት ሓሳብ ወይ ርኢቶ፡ሕቶ
👉 ለኣኩልና "ሰናይ ግዜ" 🙏
☞ ንዘለኹም ርኢቶ @Abotatnabot ለኣኹልና
Advertising
We recommend to visit

★ሰውን በማዝናናት የብቃት ማረጋገጫ ያለው ብቸኛው ቻናል ሁሌም Telegram ላይ በጥበብ ደምቀን እናሸበርቃለን

💌 Contact us, @Modenyazbot

»የተመረጡ እና ማንም ያላያቸው የአማሪኛ ቀልዶች እንዲሁም የሚያስደንቁ ስዕሎችንና ቪዲዮ ያገኛሉ።

° ° [ ሙድ እንያዝ በእኛ የአራዶች መዝናኛ ] ° °

° ° Creator @Teke_Man ° °

Last updated 2 weeks ago

☕ ስለ ኢትዮጲያ ቡና የሚወጡ ወቅታዊና ትክክለኛ የክለቡ መረጃዎች አዚህ ያገኛሉ!

➪የዝዉዉር ዜና
☞የአሰልጣኞች አስተያየት
➪ጎሎች እና ቪዲዮዎች
☞የተጨዋቾች የህይወት ታሪክ
➪ጨዋታዎችን በቀጥታ ስርጭት ከየስታድየሙ !

➡መወያያ ግሩፓችን @Ethiopia_coffee_Sc

📩ሀሳብ ወይም አስተያየት ካሎት
በዚህ 👉 @EthiopianCoffeeScBot ✍
BOT ማድረስ ይችላሉ!

Last updated 2 weeks, 1 day ago

እንኳን ወደ # ሉሲ የቴሌግራም ቻናል በደህና መጡ
#የሉሲ /LUCY DINKINESH E/ቤተሰብ ሰለሆኑ ደስብሎናል።

መረጃ መስጠት የምትፈልጉ በዚ አድርሱን 👉 @CACA77

# የኢትዬጵያዊነት የአሸናፊነት መገለጫ አርማችን ነው!
ነፃነታችንን 💪በፈርጣማው ጡንቻችን ይረጋገጣል
👉 ኢትዬጵያዊነት አርበኝነት የማንነት አርማች ነው
🙏🙏🙏

Last updated 1 month, 3 weeks ago

1 month, 1 week ago

- ምሳሌ 21:30-31 ጥበበ ወይስ ኣእምሮ ወይስ ምኽሪ፡ ንእግዚኣብሄር ዚቃወሞ የልቦን። ፈረስ ንመዓልቲ ውግእ ተዳልዩ ኣሎ፡ ስዕረት ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ።

- ”There is no wisdom nor understanding Nor counsel against the LORD. The horse is prepared against the day of battle: But safety is of the LORD.“
Proverbs 21:30-31 KJV

1 month, 3 weeks ago

🔷
🌹🌹ደስ እትብል ምክሪ እያ
አንቢብኩም ሼር ግበርዋ🌹🌹
ካብ ኣቦኣ ብዝወሰደቶ ቅርሺ ሓዱሽ ታች ስክሪን ኤጅ (touch screen edge) ስልኪ ገዚኣ መፀትሞ ንኣቦኣ ኣርአየቶ።
💚«ፅቡቕቲ ስልኪ ዛ ጓለይ! ግን ምስ ገዛእኺ ኣቀዲምኪ ዝገበርኽዮ ነገር እንታይ እዩ?» በላ።
💚«አቀዲመማ ስክሪኑ ንከይበላሾ ስክሪን ከቨር (Screen Cover) ገዚአሉ» በለቶ ፍሽኽሽኽ እናበለት።
💚«ንምንታይ? ንክትገዝእሉ ዘገደደኪ ሰብ ነይሩ ድዩ?»
💚«አረ የለን፣ ባዕለይባ» ...
💚 « እዚኣ ትመስል ስልኪ ግን ብከቨር ምሽፋንኺ ነቶም ነዛ ስልኪ ዝሰርሑ ምፅራፍ ዶ ኣይኾነክን?»
💛«አረ ኣይኾነን ባባዬ፣ እኳድኣስ ንሳቶም እውን እንተኾነ ከቨር ንክንገብረሉ እዮም ዝመኽሩ» ...
💛«ነዚ ስልኪ ብከቨር ዝሸፈንኽዮ ግን፣ እቲ ስልኪ ርካሽ ወይም መልክዑ ስለዘፅልእ ዶ ኣይኾነን እዩ? » ...

«አረ ኣይኮነን! ንከይበላሸወኒ፣ ብቐሊሉ ንከይስበትን መልክዑ እንተይተበላሸወ ንብዙሕ ጊዜ ንከገልግለንን እዩ እንበል መልክዑ ሓሚቑስ ንምሽፋን ኣይኾነይ»
«እንተሸፊንኽዮ ደኣ መልክዑዶ ኣይቀነስክዮን ኢኺ? ዛ ጓለይ»
🌹 «አረ እሱስ ልበለፀ ፅቡቅ 'ዩ ኾይኑለይ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ንከይበላሸ ይከላኸሎ እዩ» በለቶ። አቦኣ ድማ ብፍቅሪ እናጠመታ ፀንሐሞ...
«ሓንቲ ሕቶ እስኪ ክሓተኪ ዛጓለይ ... ብኢድ ሰብ ዝተሰርሐት ስልክኺ ክንዱዚ ንክትሽፈን ካብ እተገበኣ ንምንታይ ደኣ ብልዑል ኣምላኽ ዝተፈጠርኪ ንስኺ ጥራሕኺ ትኸዲ አለኺ? ካብ ስልኪ ዝያዳ ዝበልፅን ዝኸብርን ሰብነትኺ ደኣ ንምንታይ ዕራቁ ገዲፍክዮ? እቲ ስልኪ ኮቨር ስለዝተገበረሉ ዝበለፀ ፀበቀን ኸበረን እንበር ኣይረኸሰን። ልክዕ ኸምኡ ንስኺ እውን ብኣግባቡ ሰብነትኺ እንትሽፍኒ ዝበለፀ ደኣ ትምልክዒ እምበር ኣይትሓስርን። ጥርሓ ዝኾነት ስልኪ ንስብራትን ንሌብነትን ከምትቃላዕ ኹሉ ዕራቁ ዝኾነ ስጋኺ እውን ንዝሙትን ንፆታዊ ሓደጋታትን የቃልዕ እዩሞ ብዘጥዕመልኪ መንገዲ ተሸፈኒ" ኢሉ መኸራ።

"#ኣንስቲ_እውን_ብግቡእ_ኽዳንን_ብሰናይ_ግብሪ_ይሸለማ " (1ይቲ ጢሞቴዎስ 2፥9)
ስለዚ አብ ልዕሌና ንዝፍፀሙ ነገራት ምክንያት ዓርስና ከይንከውን ንጠንቀቅ !
ዓርስና ንሓሉ ሰባት ንሓግዝ!
~~❖ ናይ ፌስ ቡክ ኣድራሻና ❖
☞~~
~~https://www.facebook.com/profile.php?id=100095087694273~~ **~~❖ናይ ተሌግራም ኣድራሻና❖

☞~~ ~~https://t.me/+KBNMzn4HmHMwMTJk~~ ~~ተከታተሉና ።~~**

1 month, 4 weeks ago

✔️በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ አሜን !!

ሰላመ እግዚአብሔር ምስኩላትና ይኹን ፣ 
    •••••ምክረ አበው (ምኽሪ አቦታት )
«««««««««««««»»»»»»»»»»»»»»»»
#ውላድ:   አባ ጠባየይ ከመይ ዝበለ ክከውን ደስ ይብለካ ?

#አቦ : በል ዝወደይ ከምዚ ኩን

#ውላድ :  ከመይ ?

#አቦ : ከም ማይ ኩን ኣብ ዝከፍኤ ግዜ እኳ ሓዊ እንተጥፍአካ አብቲ ዝድለ ሰዓት ግን ተክሊ ካብ ምዕባይን ምስታይን ኣየጸግመልካን ፣ ከም ጨው እውን ኩን ጨው ብኹሉ ዝበሃግ እንተከውን ዋግኡ እውን ክባር ኣይኮነን፣ ካብ ኩሉ ብላዕሊ ድማ ከም ጸባ ኹን ጸባ እንተሓድግካዮ አይባላሸውን ብካልእ መልክዕ ይመፅእ እንበር ፣እንተደፍኡዎ እውን ልዕል ልዕል ይብል ።

#ውላድ : እሺ አቦይ ካልእ #ከይኮነልካ እትደልዮ ከ የለን ?

#አቦ :  አለባ ! ዝወደይ ፣ከምዝኣቶም አይትኹን

#ውላድ : ከመይ ?

#አቦ : ወደይ ከም መርፊእ አይትኩን ፣ መርፊእ ንናይ ካልኦት አካላት ብዙሕ ቀዳዳት እናደፈነ ነታ ሓንቲ ናቱ ግን ክደፍን አይክእልን ፣ከም መቆምያ አይትኩን  ንካልኦት መደገፊ እናኮነ ንባዕሉ ግን ክቀውም አይክእልን ፣ ከም ገንዳ አይትኩን ፣ገንዳ ንካልኦት ማይ መስተዪ እንትከውን ንባዕሉ ግን ሓንቲ ሙዕጊ እኳ ጥዒሙ አይፈልጥን
ካብ ኹሉ ኹሉ ግን ከም ደወል አይትኩን ! ንኩሉ ቀዲሙ ነቒሑ  ንካልኦት ንቅድሴ እኳ እንተቀስቀሰ ንባዕሉ ግን አየቀደስንዩሞ ።

3 months, 1 week ago

ኣብ መርዓኡ ግዘ ፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ ዝሃባ ምኽሪ‼️
💓ፍቕረይ ካብ ሎሚ ንድሓር ንስኺ ንዓይ ናይ ምንባረይ ትርጉም ኢኺ ካብ ሎሚ ኣብ ሞንጎይን ኣብ ሞንጎኽን ዝኾነ ዓይነት ምስጢር የለን ፡ ሕብእብእ ዝባሃል የለን። ንስኺ ናይ ህይወተይ መሠረት ናይ ግርማይ ዘውዲ ኢኪ «ለባም ሰበይቲ ንሰብኣያ ዘውዲ ወይ ከዓ አክሊል ናይ ርእሲ መልክዕ እያ ፤ ነውራም ሰበይቲ ግና አብ አዕፅምቱ ከም ቊንቁነ ዝበልዖ እዩ ትገብሮ» ። ምሳ 12÷4

💓ፍትውተይ ቀደም ንእሽቶይ ኔረ ፡ ሕጂውን ህፃን ክኸውን እየ ፣ትዝ ይብለኒ ህፃን ከለኹ ምግቢ በሊዐ ድየ ወይስ ጠምየ ተኾይነ ትፈልጥ ኣደይ ወላዲተይ እያ ኔራ ፡ ንጉሆ ካብ ድቃሰይ ተበራብረኒ ኣደይ እያ ኔራ ።

ካብ ገዛ ቅድሚ ምውጽአይ ዝስተኻኸል ነገራት ኣስተኻኺላ ዝጎደለኒ መሊኣ ተፋንወኒ ኣደይ ያ ኔራ ካብ ሕጂ ግና ኣደይ ንስኺ💍 ኢኺ ካብ ሕጂ ናተይ ድኹም ጎኒ ትፈልጥ ካልእ ኣደ የብለይን ካብ ሕጂ ጥሜተይን ጽምአይን ትፈልጠለይ ካልእ ኣደ የብለይን ሪኢኺ ፍቕረይ ቆልዓ ከለኹ ዝኾንክዎ ኩሉ ዘጋጠመኒ መጽየ ንኣደይ እየ ዝነግራ ኔረ ንሳ ድማ ምስጢረይ ንዝኾነ ሰብ ነጊራትለይ ኣይትፈልጥን ስለዚ ሕጂ ድማ ኣደይ ንስኺ ኢኺ ምስጢረይ ዝነግረኪ ንዓኺ ጥራይ እየ።

💓ንዝኾነ ሰብ ምስጢረይ ኣይትንገሪ ፡
ቆልዓ ከለኹ ብዙሕ ነገራት ፈጺመ እየ ናይ ነገር ቆልዓ፡ ኣደይ ድማ ንግዚኡ ትቑጣዓኒ ግን ምቑጣዓ ንግዚኡ እዩ ፡ ቀልጢፋ ሕድገት ትገብረለይ ሞ ፡እንዳሰሓቐት እዚ ወደይ ከምዚ ኣይትግበር ኢላ ቀስ ኢላ ትምዕደኒ «ሕጉስ ልቢ ገጽ የብርህ ፤ ናይ ልቢ ሓዘን ግና መንፈስ ይሰብር» ። ምሳ15÷13

💓ፍቕረይ ምናልባት ንዓኺ ውን ከኾርየኪ ይኽእል እየ በጃኺ ግን ቂምታ ኣይትሓዚ «ልዙብ መልሲ ንቑጥዓ የህድኦ ፤ ተሪር ቃል ግና ንቑጠዓ የለዓዕሎ» ። ምሳ 15÷1 ጥፍኣተይ ፡ጉድለተይ ግን ሪኢኺ ሱቕ ኣይትበሊ ብልዙብ ምኽሪ ሃብኒ ኣነ ድማ ተቐባሊ ምኽሪ ክከውን እየ መዓረይ። ንደት,ፀርፊ,ምምራር...ፈፂምና ካባና ነርሕቆም ዝያዳይ«ኵሉ ምረትን ፣ ንደትን ፣ ቊጥዓን ፣ ሁከትን ፣ ፀርፍን ካባኻትኩም አርሕቑ» ። ኤፌ 4÷31
💓መዓረይ ናብቲ ምውቕ ናይ ሓዳር ጸወታና ቅድሚ ምኻድና ደጊመ ደጋጊመ ዝመኽረኪ ነገር እንተሃልዩ ናይ ሰብ ዘረባ ብፍጹም እዝኒ ኣይትሃብዮም«እቲ ንሳቶም ብሕቡእ ዝገብርዎ ንምዝራቡ እኳ ዘሕፍር እዩ» ። ኤፌ5÷12 ንገዛኺ መሲልኪ ጥራይ ኪዲ ካብ ሕጂ ንድሓር ፡ ንዓኺ ካባይ ዝቐርብ ሰብ የብልክን ኣነ ኣካልኪ እየ።«ወለድኹም አሕዋትኩም ፣ አዝማድኩም ፣ አዕርኽትኹም ፣ ካባኻትኩም'ውን ንገሊኣቶም ክቐትሉ እዮም».። ሉቃ 21÷16 ንስድራና ውን ይኹኑ ብናተይን ብናትክን ስምምዕ ሓገዛት እንተሃልዩ ንሕግዞም ተዘይኮይኑ ንሶም ኣብ ሞንጎና ክኣትው ክንፈቕደሎም የብልናን ፡ እቲ ምንታይ ቃል ኣምላኽ ውን ከምዚ እዩ ዝብል ዘፍጥረት 2 :24፤ “ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ።”

💓ፍቕረይ ናይ ብዙሓት ሰባት ሓዳር ዝፈርስ ፡ ናይ ቤተሰብ ጉዳይ ምእታውን ፡ ናይ ጎረቤት ነገር ምርኣይን ፡ ዓርከ መሓዛ ምብዛሕን እዩ ። ስለዚ ነዞም ኩሎም ዝበልኩኺ ፡ ሓልውዮም ዝኾነ ሰብ ብዛዕባይ ሕማቕ ነገር ክዕልለኪ ክዛረበኪ ፍቓደኛ ኣይትኹኒ ብፍላይ ብድሕረይ አብ አነ ዘይብሉ እዋን ፡፡ከምዚ'ዩ ከምዚ ኢዩ ዝገብር? ዝብሉን ሰባትን ካልእን ቃላት ዝዛረበኪ ሰብ ኣይትስምዒ ቦታ አይትሃብዮም ፡፡ «አብ አንደበቶም ሓቂ የለን ፤ ልቦም'ውን ከንቱ እዩ ፤ ጐሮሮኦም ከም ክፉእ መቃብር እዩ ፤ ብመልሓሶም ይጥብሩ» ። መዝ5÷9
ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ ቃል ይኣትወልኪ ከም ኣቦኺ ክንከባኸበኪ ፡ ወትሩ ጎዶሎኺ ክምልእ ፡ ኣብ ጎንኺ ደው ክብል እየ ። ልዕሊ ዝኾነ ድማ ንሰበይተይ ንደቀይ ዝብል ሰብኣይ ክኾነልኪ ።«ስለዙይ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ንሰበይቱ ከም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ ሰበይቲ እውን ንሰብኣያ ተኽብሮ» ። ኤፌ 5÷33 ከም ዝብሎ ቃል ይኣቱ!!!
#ናብዚ_ዝተቀደሰ_ክብሪ_የብቀዐና!!!

ናይዚ ሰብኣይ ምኽሪ ደስ ዝበለኩም ሼር በልዋ
ኣንቱም ዘይተመርዓኹም ከም ምኽሪ
ኣንቱም ዝተመርዓኹም ድማ ከም መዘኻኸሪ

#ፍቕሪ_ይሰስን_ሓዳር_ይባረክ
እግዚኣቢሄር ኣምላክ ዘይውዳእ ፍቕሪ ይሃብኩም ፡ ኩሎም ቅዱሳት ብጸሎቶም ኣይፈለይኹም ኣሜን🙏🙏🙏
❖ ናይ ፌስ ቡክ ኣድራሻና ❖

https://www.facebook.com/profile.php?id=100095087694273

❖ናይ ተሌግራም ኣድራሻና❖

https://t.me/+KBNMzn4HmHMwMTJk ተከታተሉና ።

3 months, 1 week ago

ሓደ ምንም ኣፍልጦ ኮነ ልምዲ ዘይብሉ ሰብ ሱቕ ኢሉ መሬት ስለዝኰዓተ ጥራሕ ወርቂ ክረክብ ኣይክእልን ።
እኳ ደኣስ ብከንቱ ብዙሕ ይደክም እንበር ። ካብኡ ሓሊፉ ድማ እቲ ብዘይ ምፍላጥን፣ ብዘይልማድን ዝኰዓቶ ጉድጓድ ናብ ልዕሊኡ ተደርሚሱ እታ
እንኮ ህይወቱ ከስእኖ ይክእል እዩ። እቲ ቅዱስ መጽሓፍ ከመይ ከንብብን ክርዳእን ከም ዘለዎ ዘይፈልጥ ሰብ ድማ ነዚ ሰብ እዚ ይመስል ።

ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ

❤‍🩹ንደቂ ተዋሕዶ ክበጽሕ❤‍🩹
•➢ ሼር // SHARE
𝐋𝐢𝐤𝐞 & 𝐅𝐨𝐥𝐥𝐨𝐰 ምግባር ኣይትረስዑ !!
══✢━✥━✢═
መንፈሳዊ ጽሓፋት ኣብ ተሌግራም ንምክትታል !!
https://t.me/+KBNMzn4HmHMwMTJk

3 months, 1 week ago

LIKE & FOLLOW እናገብርኹም !!
👇*👇*👇👇👇**https://www.facebook.com/profile.php?id=100095087694273

3 months, 2 weeks ago

ፍርህዎ ለእግዚኣብሄር ወሰብህዎ ወስግዱ ሎቱ ለዘገብረ ሰማየ ወምድረ ፣ወባሕረ ፣ ወአፍላገ ወአንቅዕተ ማያት
ራእይ 14 (Revelation)
7፤  ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ፡ ነቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝገበረ ስገዱሉ፡ በለ።

👇*👇*👇👇👇 LIKE እናበልና !!**https://www.facebook.com/profile.php?id=100095087694273

3 months, 2 weeks ago

ሓደ ምንም ኣፍልጦ ኮነ ልምዲ ዘይብሉ ሰብ ሱቕ ኢሉ መሬት ስለዝኰዓተ ጥራሕ ወርቂ ክረክብ ኣይክእልን ።
እኳ ደኣስ ብከንቱ ብዙሕ ይደክም እንበር ። ካብኡ ሓሊፉ ድማ እቲ ብዘይ ምፍላጥን፣ ብዘይልማድን ዝኰዓቶ ጉድጓድ ናብ ልዕሊኡ ተደርሚሱ እታ
እንኮ ህይወቱ ከስእኖ ይክእል እዩ። እቲ ቅዱስ መጽሓፍ ከመይ ከንብብን ክርዳእን ከም ዘለዎ ዘይፈልጥ ሰብ ድማ ነዚ ሰብ እዚ ይመስል ።

ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ

❤‍🩹ንደቂ ተዋሕዶ ክበጽሕ❤‍🩹
•➢ ሼር // SHARE
𝐋𝐢𝐤𝐞 & 𝐅𝐨𝐥𝐥𝐨𝐰 ምግባር ኣይትረስዑ !!
══✢━✥━✢═ኣብ ተሌግራም ተከታትውሉ
https://t.me/+KBNMzn4HmHMwMTJk

3 months, 2 weeks ago

መከርትን መዓድትን ጽሑፋት ኣብ Fb እናኣተኹም LiKe ብምባል ተከታተሉና 👇*👇*👇👇**https://www.facebook.com/profile.php?id=100095087694273

3 months, 3 weeks ago

'' እንቋዕ አብጸሐና ''
ጊዜ ዕረፍታ ለሶልያና /፪/
ወረደ ወልድ እምዲበ ልዕልና /፬/

ትርጉም፡- 👉 ኣብ ናይ ሶልያና ዕረፍቲ ወልድ ካብ ላዕሊ ካብ ሰማይ ወረደ
ሶልያና ናይ ማርያም ሽም እዩ።

We recommend to visit

★ሰውን በማዝናናት የብቃት ማረጋገጫ ያለው ብቸኛው ቻናል ሁሌም Telegram ላይ በጥበብ ደምቀን እናሸበርቃለን

💌 Contact us, @Modenyazbot

»የተመረጡ እና ማንም ያላያቸው የአማሪኛ ቀልዶች እንዲሁም የሚያስደንቁ ስዕሎችንና ቪዲዮ ያገኛሉ።

° ° [ ሙድ እንያዝ በእኛ የአራዶች መዝናኛ ] ° °

° ° Creator @Teke_Man ° °

Last updated 2 weeks ago

☕ ስለ ኢትዮጲያ ቡና የሚወጡ ወቅታዊና ትክክለኛ የክለቡ መረጃዎች አዚህ ያገኛሉ!

➪የዝዉዉር ዜና
☞የአሰልጣኞች አስተያየት
➪ጎሎች እና ቪዲዮዎች
☞የተጨዋቾች የህይወት ታሪክ
➪ጨዋታዎችን በቀጥታ ስርጭት ከየስታድየሙ !

➡መወያያ ግሩፓችን @Ethiopia_coffee_Sc

📩ሀሳብ ወይም አስተያየት ካሎት
በዚህ 👉 @EthiopianCoffeeScBot ✍
BOT ማድረስ ይችላሉ!

Last updated 2 weeks, 1 day ago

እንኳን ወደ # ሉሲ የቴሌግራም ቻናል በደህና መጡ
#የሉሲ /LUCY DINKINESH E/ቤተሰብ ሰለሆኑ ደስብሎናል።

መረጃ መስጠት የምትፈልጉ በዚ አድርሱን 👉 @CACA77

# የኢትዬጵያዊነት የአሸናፊነት መገለጫ አርማችን ነው!
ነፃነታችንን 💪በፈርጣማው ጡንቻችን ይረጋገጣል
👉 ኢትዬጵያዊነት አርበኝነት የማንነት አርማች ነው
🙏🙏🙏

Last updated 1 month, 3 weeks ago