★ሰውን በማዝናናት የብቃት ማረጋገጫ ያለው ብቸኛው ቻናል ሁሌም Telegram ላይ በጥበብ ደምቀን እናሸበርቃለን
? Contact us, @Modenyazbot
»የተመረጡ እና ማንም ያላያቸው የአማሪኛ ቀልዶች እንዲሁም የሚያስደንቁ ስዕሎችንና ቪዲዮ ያገኛሉ።
° ° [ ሙድ እንያዝ በእኛ የአራዶች መዝናኛ ] ° °
° ° Creator @Teke_Man ° °
Last updated 2 months ago
☕ ስለ ኢትዮጲያ ቡና የሚወጡ ወቅታዊና ትክክለኛ የክለቡ መረጃዎች አዚህ ያገኛሉ!
➪የዝዉዉር ዜና
☞የአሰልጣኞች አስተያየት
➪ጎሎች እና ቪዲዮዎች
☞የተጨዋቾች የህይወት ታሪክ
➪ጨዋታዎችን በቀጥታ ስርጭት ከየስታድየሙ !
➡መወያያ ግሩፓችን @Ethiopia_coffee_Sc
📩ሀሳብ ወይም አስተያየት ካሎት
በዚህ 👉 @EthiopianCoffeeScBot ✍
BOT ማድረስ ይችላሉ!
Last updated 7 months, 1 week ago
ማንኛውንም የማስታወቂያ ስራ ለማሰራት የምትፈልጉ(only promotion) inbox @Eyyiba
ሌሎች ጥያቄዎችን ለማድረስ
@Ethiodailyvacbot
Last updated 1 month ago
ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ከም ዘምሀሮ
፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠
👉 ክርስቶስ ዘክበራ ፣መንገዱ ዝተከተላ፣ ብዙሓት ኣንስቲ አለዋ፣ሓቂ ዝመስከራ፣ብቃሉ ዝነበራ ብዙሓት አንስቲ አለዋ
መስዋዕትነት ዝከፈላ በሰማዕትነት ዝሓለፋ ብዙሓት ኣንስቲ አለዋ፣ ዓበይቲ ናይ ምድሪ ነገስታት ፣ዓበቲ ነብያት ዝወለዳ ብዙሓት ኣንስቲ አለዋ ንስኪ ግን ካብ ኩለን ትበልፂ።
👉 ቅድስቲ ድንግል ሆይ ንስኪ ኮ ሰማይ ዝፋኑ ምድሪ መርገፂ እግሩ ዝኮነ፣ ግሩም ሓያል አምላኽ ናይ ሰላም ሓለቃ ዝተብሃለሉ ኢሳ 9:6
ዘቦቱ ኩሉ ኮነ ወዘ እንበለሁሰ አልቦ ዘኮነ ማለት ኩሉ ብእኡ ኮነ ካብቲ ዝኮነ ኩሉ ብዘይካ ንሱ ዝኮነ ነገር የለን ዮሓ 1:3
👉 ንዓለም ኩሉ ካብ ሞት ናብ ህይወት ዝመለሰ፣ ኪሩቤልን ሱራፌል ቅዱሳን መላእክት ዝንቅጥቀጥሉ ናይ ኩሉ ፈጣሪ ፣ ነቲ ናይ ኩሉ ፍጡር አምላክ ዝኮነ አዶ ኢኪ። ብቅድሜኪ ኮነ ብድሕሬኪ ብዘይካኪ ንፈጣሪአ ወደይ ኢላ እትፅውዕ ኣይነበረትን ። የላን፣ኣይትነብርን ክርስቶስ ኣደይ ኢሉ ዝፅውዓኪ ንኣኪ ጥራሕ ኢዩ እሞ በኣማን ንስኪ ካብ ኩለን ትበልፂ ኢኪ።
👉 ኣዶ እንከለኪ ድንግል፣ ድንግል እንከለኪ ኣዶ በኣማን ንስኪ ካብ ኩለን ትበልፂ ኢኪ።
👉 ትውልዲ ኩሉ ብፅእት ኢሉ ዝፅውዓኪ በኣማን ንስኪ ካብ ኩለን ትበልፂ ኢኪ።
👉 እግዚአብሔር መሪጽኪዮ መሪፁኪ ት እዛዙ ሓሊኪ ድማ ሓልዩኪ ንጽሕት ዘርኢ በኣማን ንስኪ ካብ ኩለን ትበልፂ ኢኪ።ኢሳ 1:9
👉 ንዓለም ኩሉ ናይ ድሕነት ምልክት ዝኮንኪ ብሓቂ ካብ ኩሉ ትበልፂ።
👉 ኦ ኣደይ ኣነ እሞ እንታይ ክናገር ? ሽሕ ቃላት እንተዝድርድር ንናትኪ ክብሪ ከመይ ጌረ ክገልፆ ይክእል? ሐዚ እውን ይብል ኣለኹ" ፅቡቅ ዝገበሩ ብዙሓት ኣለው/ኣለዋ ንስኪ ግን ካብ ኩለን ትበልፂ።ምሳ 31:29 "
ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም በርከት ረድኤት ምስኩልና ይኩን ኣሜን
•➢ ሼር // SHARE
https://t.me/Abotatna
®©ናይ 13 ወርሓት ስያመ እንታይ ይመስል ?
```````````````
★ካብ ወርሒ መስከረም ክሳብ ጳጉሜን ዘለው 13አዋርሓ ስያመኦም ክንምልከት ኢና
1/ መስከረም : ናይ ግእዝ ቃል እንተኸውን "መስ ማለት ሓለፈ ፣ከረም ድማ ክርምቲ =ክረምቲ ሓለፈ ማለት እዩ
2/ ጥቅምቲ : ናይ ግእዝ ቃል እንተኸውን "ጠቀመ ማለት ሰሐ ፣ጠቃሚ ግዜ ማለት እዩ።
3/ ኅዳር : ናይ ግእዝ ቃል እንተኸውን "ኃደረ ማለት ደቂ ሰባት ምህርቶም ክሕልው አብ ዓውዲ አብ ሓሰር ኮነ ገለባ እክሊ ሓደሩ ንምባል እዩ
4/ ትኅሳስ. : ኃሠሠ ናይ ግእዝ ቃል እንተኸውን "ትርጉሙ ድማ መርመረ፣ ደለየ
5/ ጥሪ ካብ ነጠረ ዝብል ናይ ግእዝዝተረክብ ቃል እንተኸውን " ነጽሀ ብልጭ በዓለ ናይ ጽሓይ መሪርነት ዝገልጽ እዩ
6/ የካቲት/ለካቲት :- ግእዙ "ከተት" ኣእተወ. ማለት ገባራይ እክሉ ናብ ቆፍኡ ከምዘ እተወ ዘመልክት እዩ።
7/ መጋቢት :- ግእዙ ''መገበ'' ተመገበ ገባራይ ለካቲት ዘ እተዎ እክሊ ኮፍ ኢሉ ዝብልዐሉ ግዜ ማለት እዩ
8/ ሚያዝያ : - ግእዙ "መሐዘ " ጎበዘ ፣ሰበይቲ ደለየ (ደቂ ሰባት ቅዱስ መርዓ ዝፍፅምሉ ወርሓት ከምዝኮነ ዝገልጽ እዩ።
9/ ግንቦት :- ግእዙ"ገነበ'' ነደቀ ፣ሰርሐ ፣ኮዓተ ማለት እዩ ። ሰባት መሬቶም ንማሕረስ ዘድዳልውሉ ሰዓት ማለት እዩ።
10/ ሰኔ :- ግእዙ ሰነየ ማለት ብጣዕሚ ጸበቀ (አዝርእቲ ስለ ዝበቁሉ እዩ)
11/ ሓምለ : - ግእዙ ሐመለ ማለት ኣረየ (ንሓምሊ ኮነ ንጎመን )
12/ ነሐሴ : - ግእዙ " አናሕሰየ =አቅለለ፣ ሓደገ (፣ክረምቲ ከምዝቀነሰ ዘር ኢ እዩ።
13/ ጳጉሜን :-- ኤጳጉሚኖስ (ግሪክ) ተወሳክኺ ማለት እዩ
ኣብ ድኻምና ንምክሓሉ
ኣብ ሽግርና ንልምነሉ
ኣብኡ ኣሎ ሕድገት ሓጢኣትና
ብስሙ'ዩ ምዕራግ ጸሎትና (2)
“ኣብ ድኻምና ንምክሓሉ”፡ ምስ እግዚኣብሄር ኣቦ ብወዱ ብኢየሱስ ክርስቶስ፡ በቲ መድኃኒና ድሕነት ረኺብና፡ ውሉድ ኣምላኽ ኴንና ክርስትያን ካብ ተሰመና፡ ኣብ ድኻምና እንምክሓሉ፡ ቐጽሪ ጸላዕትና ምስ ኵሉ ኲናውቶም ሰቢርና እንስዕረሉ፡ ኣብ ልዕሊ ጸላኢና ሰይጣን እንምክሓሉ፡ ኢየሱስ ዝብል ክቡር ስም ኢዩ። እዚ ስም እዚ ሕይወትና ኢዩሞ፡ እወ ንምክሓሊ፡ ብዓውታ ንዝምረሉ፡ ኣብ መድረኽ “ክርስቶስ ጐይታ ኢዩ” ኢልና ንምስክረሉ። “ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብእኡ ሕጂ ዕርቂ ዝረኸብና፡ ብኣምላኽውን ንምካሕ ኣሎና እምበር፡ እዚ ጥራይ ኣይኰነን” (ሮሜ 5፡11)።
ኢየሱስ፡ “ኣብ ሽግርና ንልምነሉ”. .. ብስሙ'ዩ ምዕራግ ጸሎትና”፡ ቅኑዕ ኣድራሻ ጸሎትና፡ ትኽክለኛ መገዲ ናይ ሕይወትና፡ ንሱ ኢዩ። ከመይ ቃሉ “ኣቦ ኣብ ወዲ ምእንቲ ኪኸብርሲ፡ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኽገብረልኩም እየ” ኢሉ ኢዩ ዝመሃረና (ዮሃ 14፥13)። ንእግዚኣብሄር ኣቦ፡ ብስም ወድኻ መሓረና፡ ብስም ወድኻ ነመስግነካ ኣሎና፡ ብስም ወድኻ እዝን እትን ክትገብረልና፡ ኢልና ክንልምኖ ኸሎና፡ ንእግዚኣብሄር ኣቦ፡ ንልቡ ዘስመሮ፡ ደሥስ ኢልዎ ብእኡ ዝተሓጐሰሉ፡ ስሙር መሥዋዕቲ ዘቕረበሉ፡ ምሉእ ንምሉእ ፍቓዱ ዝፈጸመ ንሱ ኢየሱስ ስለ ዝኾነ፡ ንኣቦ ብወዱ ዝመጾ ክንደይ ኢዩ ዘሐጉሶ። ስለዚ ድማ ኢዩ ጐይታ፦ “ብስመይ ገለ እንተ ለመንኩም፡ ክገብረልኩም እየ” ዝበለና (ዮሃ 14፥14)። ኣብ ሽግርና እንልምነሉ፡ ንሱ ክርስቶስ ጐይታ ኢዩ፡ ክብሪ ንስሙ።
“ኣብኡ ኣሎ ሕድገት ሓጢኣትና”፡ ቅዱስ መጽሓፍ ከም ዝብሎ፡ “ብእኡ ብደሙ ምድሓን፡ ማለት፡ ከምቲ ሃብቲ ጻጋኡ ሕድገት ሓጢኣት ኣሎና” ይብለና (ኤፌ 1፥7)። ፍቑራት ኣሕዋተየ፡ ኣብኡ ሕድገት ሓጢኣት ስለ ዘሎና፡ ደሥስ ይበለና፡ ርአዩ'ሞ ኣቦ ከመይ ዝበለ ጸጋ ከም ዝሃበና፡ ከመይ ጌሩ ከም ዘፍቀረና፧! “ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ብስሙ ሕድገት ሓጢኣት ከም ዚረኽብ፡ ኲሎም ነብያት ይምስክሩሉ ኣለዉ” (ግብ ሃዋ 10፥43)።
ኣቱም ፍቑራት ዘመርቲ ኣሕዋትና፡ “ምስጋና ኣምላኽ ዘምሩ፣ ዘምሩ። ምስጋና ንጉስና ዘምሩ፣ ዘምሩ። ኣምላኽ ንጉስ ኵላ ምድሪ እዩ እሞ፣ መዝሙር ምስጋና ዘምሩሉ” (መዝ 47፡6-7)።
ማቴዎስ 3 ÷ 13-15
13: ሽዑ ኢየሱስ ብዮሃንስ ክጥመቕ፡ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጸ፡
14: ዮሃንስ ግና፡ ንኣይ ብኣኻ ምጥማቕ የድልየኒ፡ ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ፧ ኢሉ ኣበዮ።
15: ኢየሱስ ከኣ፡ ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግባኣና እዩ እሞ፡ ሕጂስ ይኹን ደኣ ሕደግ፡ ኢሉ መለሰሉ። ድሕርዚ ፈቐደሉ።
16: ኢየሱስ ምስ ተጠምቀ፡ ብኡብኡ ኻብ ማይ ወጸ። እንሆ ኸኣ ሰማያት ተኸፍተ፡ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱ፡ ኣብ ርእሱ ኪቕመጥ ረኣየ።
17: እንሆ ድማ ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ፡ ዝብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መጸ።
እንኳዕ ናብ ናይ ጎይታና መድሓኒትና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ጥምቀት በዓል ብሠላም ኣብጸና !!
ኣይትዓሹ መዋቲት ስጋ፡ ነባሪት ነፍሲ ኢኻ ሒዝካ ዘለኻ፡ ስለዚ ካብ ኩሉ ክፉእ ዘበለ ማለት ካብ ቅትለት፡ ጓይላ፡ ስኽራን፡ ሻራ፡ ቅንኢ ፡ ቁጥዓ ርሓቕ። (ገላትያ 5፥19-20)
➮#ፍትዋት_ናይ_እግዚአብሔር_ቤተሰብ_እዛ_ናይ_YOU_TUBE_ቻናልና_ካብዚ__ኩሉ_ሰብ_ክሳብ_ሐዚ_132_ሰባት_ጥራሕ_እዩ።እስኪ_ሐዚ_Subscribe_ንግበር_ኣሕዋት⁉
? ????????? ?
❗?????????❗
**ንሓውኻ ኣይትንዓቀ
ክቡር ሓወይ! ክርስቲያን ዲኻ? ክርስቲያን እንተኴንካስ ብፍጹም ንሓውኻ ኣይትንዓቀ። ንሓፍትኻ 'ውን ኣይትንዓታ፡፡ ዝኾነ ይኾን ሰብ ኣይትንዓቕ። እዚ ንንዕዋ ሓው ብፍላይ ክርስቲያን እንተኾይኑ ንክርስቶስ ትጸርፎ ከም ዘለኻ ኣስተውዕል። “ብኸመይ?" ትብል እንተኴንካ እዚ ትንዕቀ ዘለኻ ሓውኻ፡ ናይ ክርስቶስ ህዋስ (ኣካል) ኮይኑ እዩ፡፡ ናይ ክርስቶስ ኣካል እንተኾይኑ ድማ ንዕኡ ንዒቕካዮ ማለት ንክርስቶስ ንዒቕካዮ ማለት እዩ፡፡ ንሓውኻ ትንዕቕ እንተኴንካ ኣብ ኣደባባይ ናይ ጲላጦስ፡ ንጉይታና ካብ ዝገረፍዎን ዕራቖቱ ካብ ዝሰቐልዎን ሓሞትን ከርቤን ሓዋዊሶም ካብ ዘስተይዎ፡ ኣብ ገጹ ጡፍ ካብ ዝ ብዋላሓንቲ ኣይትንእስን ኢኻ፡፡ ስለ'ዚ ንሓውኻ ካብ ምንዓቕ ተጠንቀቕ**።
ምንጪ፥ ሰማዕትነት ኣየምልጠኩም
ዜና አበው ቅድስት ቤተክርስቲያን
ንዘለኹም ዝኮነ ዓይነት ሕቶ ኮነ ርኢቶ
ብዙይ @Abotatnabot ለኣኹልና !?
*? ጥዑመ ስም! ?*
ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ጥዑመ ስም፥ ለዘይጼውዖ፣
ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ጥዑመ ቃል፥ ለዘያጸምዖ፣
ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኅብስተ ሕይወት፥ ለዘይበልዖ፣
ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ጽዋኣ መድኃኒት፥ ለዘይጸምዖ፣
ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ጥዑመ ፄና፥ ለዘያፄንዎ፣
ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ጥዑመ ዝክር፥ ለዘይነግር ዜናሁ።
እወ ወአማን።**
★ሰውን በማዝናናት የብቃት ማረጋገጫ ያለው ብቸኛው ቻናል ሁሌም Telegram ላይ በጥበብ ደምቀን እናሸበርቃለን
? Contact us, @Modenyazbot
»የተመረጡ እና ማንም ያላያቸው የአማሪኛ ቀልዶች እንዲሁም የሚያስደንቁ ስዕሎችንና ቪዲዮ ያገኛሉ።
° ° [ ሙድ እንያዝ በእኛ የአራዶች መዝናኛ ] ° °
° ° Creator @Teke_Man ° °
Last updated 2 months ago
☕ ስለ ኢትዮጲያ ቡና የሚወጡ ወቅታዊና ትክክለኛ የክለቡ መረጃዎች አዚህ ያገኛሉ!
➪የዝዉዉር ዜና
☞የአሰልጣኞች አስተያየት
➪ጎሎች እና ቪዲዮዎች
☞የተጨዋቾች የህይወት ታሪክ
➪ጨዋታዎችን በቀጥታ ስርጭት ከየስታድየሙ !
➡መወያያ ግሩፓችን @Ethiopia_coffee_Sc
📩ሀሳብ ወይም አስተያየት ካሎት
በዚህ 👉 @EthiopianCoffeeScBot ✍
BOT ማድረስ ይችላሉ!
Last updated 7 months, 1 week ago
ማንኛውንም የማስታወቂያ ስራ ለማሰራት የምትፈልጉ(only promotion) inbox @Eyyiba
ሌሎች ጥያቄዎችን ለማድረስ
@Ethiodailyvacbot
Last updated 1 month ago